Wednesday , April 24 2024
PAUL ELLIS/TT

ማንቸስተር ዩናይትድ ትሕደስ ፓል ፖግባ የብረቅርቅ!

ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ሞሪኖ ብቕዓታ ወርዱ ሸቶታት ተሓሪሙዋ ብ ናይ ሸቶ ዕዳ ደርጀኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከተንቖልቑል ዝጸንሔት ማንቸስተር ዩናይትድ ናብ ጹቡቅ ቆሞና ተመልሳ።

እንሆ እዛ ጋንታ ምስ እዚ ሓዲሽ ኣሰልጣኒኣ ሶልሻየር ኣብ ውሽጢ ሰልስተ ጸወታታት ደርዘን ሸቶታት ብምምዝጋብ ብትሽዓተ ሾቶታት ጸብለል ትብል።

ኣብ ትሕቲ ሞሪኖ ንቡር ክብሪ ስኢኑ ኣደዳ ነቕፌታ ዝኾነ ደሕሪ ምስጛጉ ግን ዳግማይ ተበራቢሩ ዝርከብ ኣከፋፋሊ ፖግባ ኣብ ውሽጢ እዘን ሰለስተ ጸወታታት 4 ሸቶታት ምስ 3 ቀረብ ብምግባር ዳግማይ የብረቅርቅ።

እዚ ድማ ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ወርሒ ሚያዝያ ብ ተከታታሊ 3 ዓወታት ከተመዝግብ በቂዓ ኣላ።

መሲ ብሉጽ ኣምዝጋቢ ሸቶ 2018!

ኣብ ዓመተ 2017-18 ኣብ ኩሉ ዓይነት ጸወታ 51 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኮኾብ ኣመዝጋቢ ኤውሮጳ ብሙኻን ወርቂ ጫማ ተሸላሚ ኮይኑ።

NurPhoto /TT

በዚ መሰረት እንኾ ተጻዋታይ ንሓሙሻይ ግዚኡ ነዚ ክብሪ ዝረኸበ ብሙኻን ሕዲሽ ክብረ ወሰን ሒዙ።

ሮናልዶ 47, መሐምድ ሳላሕ 43 ሸቶታት ብምምዝጋብ ካልኣይ ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም።

ብልጽቲ ህያብ ሳላሕ ን ፈርሚኖ

ክለብ ሊቨርፑል ኣብ ቅድሚት ብውህደት ዓጥቃዕቲ ሳልሕ ማኔ ፈርሚኖ ኣብ ድሕሪት ብ ሆላንዳዊ ቫንዳይክ  ፍጹም ዘይትድፈር ኮይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ቅልስ ንኾኸብ ኣመዝጋቢ ሸቶ ፕሪመር ሊግ እዋን ሳላሕ ምስ ኣቡሙያን ናይ ኣርሰናልን ሃሪ ኬን ናይ ቶተንሃምን ተደሪቡ ብ13 ሸቶታት ይመርሕ።

HMAD MORA/PROSPORTS/REX/SHUTTERSTOCK /TT

ሊቨርፑል ን ኣርሰናል 5 ብ 1 ኣብ ዝደሃኸትሉ ንካልኣይቲ ፍጹም ቅላዕ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ብ 14 ሸታታት ናይ ምምራሕ ዝነበሮ ዕድል ገዲፉ ንፈርሚኖ ብምሃቡ ጽብቕቲ ህያብ ሓድሽ ዓመት ኣበርኪትሉ።

በዛ ሸቶ ፈርሚኖ ን መጀመርያ ግዜኡ ሃትሪክ ብምምዝጋብን እቲ እንኮ ብራዚላዊ ኣብ ግጥማት ፕሪመር ሊግ ዝበዝሔ ሸቶ ዘመዝገብ ኮይኑ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com