Friday , April 19 2024

ማንቸስተር ዩናይትድ ን ብሩኖ ፈርዲናንድ ንምፍራም ተሰማሚዓ!!

ማንቸስተር ዩናይትድ ን ኣከፋፋሊ ክለብ ሊዝበን ብሩኖ ፈርዲናንድ ብ 70 ሚልዮን ፓውንድ ንምፈራም ተሰማሚዓ። እዚ ፖርትጋላዊ ኣከፋፋሊ ሎሚ ዓመት ብሉጽ ምንቅስቃስ ብምግባሩ ኣስታት 120 ኩዓሳሱ ካብ ኣንጻሩ ዕውት ምምንጣል ክገብር ከሎ 13 ንጎል ዝኾና ኩዓሳሱ ከምእውን ብሽሙ 20 ሸቶታት ብምምዝጋብ  ኣብ የዕይንቲ ብዙሓት ክለባት ክስሕብ ዝኽኣለ።  

እዚ ኣከፋፋሊ ብዓበይቲ ክለባት ኢንግሊዝ ሊቨርፑል ማንቸስተር ሲትን ቶተንሃምን ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ኣብ ኢድ ክለብ ማንቸስተር ኣትዩ ዘሎ። ድሕሪ ቡዙሕ ምክትታልን ምይይጣትን ክለብ ማንቸስተር ዩናይት ምስ ክለብ ስፖርቲን  ሊዝበን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኪኢለን ። በዚ ምሰረት ድሕሪ ውልቃዊ ስምምዕን ፈርዲናንድ ንሕክመናዊ መርመራ ናብ ማንቸስተር ክኸይድ ምኻኑ ኣካየድቲ ክለብ ማንቸስተር ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com