Wednesday , April 24 2024

ማእከላይ ስታቲስቲክ ቤትጽሕፈት (SCB)፥  6.1 ሚእታዊት ስራሕ-ኣልቦ

ቍጠባ TT

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ 337 000 ሰባት ስራሕ-ኣልቦ ነይሮም፡ እዚ ድማ 6.1 ስራሕ ኣልቦነት ከም ዘሎ የርእይ። እዚ ብመሰረት ማእከላይ ስታቲስቲክስ ቤትጽሕፈት (SCB) ነቲ ስራሕ ኣልቦነት ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ 2017 ኪነጻጸር ከሎ ብ 11 000 ሰባት ክብ የብሎ ወይ ድማ ብ 0.1 ሚእታዊት።

ዕድል ስራሕ ብ 56000 ሰባት ክብ ብምባል ናብ 5 165 000 ሰባት ክብ ኢሉ። እዚ ድማ ናይ 69.2 ሚእታዊት ዕቤት የርኢ።

ብመሰረት ናይ ወርሓታዊ ምጽራይን ምውግጋንን ዳታ (trendvärden)፡ እቲ ስራሕ-ኣልቦነት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 6.4 ሚእታዊት እዩ ነይሩ፡ እዚ ድማ ምስቲ ዝሓለፈ ወርሒ ተመሳሳሊ ደረጃ ኣለዎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com