Friday , March 29 2024
Johan Nilsson/TT

ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን መጠንቀቅታ የውጽእ።

ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ኣብ ብዙሓት ዞባታት ሽወደን ብርቱዕ ማዕበል ውርጪ ክወርድ ከም ዝኾነን እዚ ውርጪ ርጒዱ 20 ቼንቲሜትሮ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ”ሎ።

ብሰንኪ እቲ ማዕበል ውርጪ ጐደናታት ኣሸገርቲ ከም ዝኾኑ እቲ ማእከል ኣጠንቂቑ’ሎ።

እቲ ማዕበል ውርጪ ካብ ደቡብ ሽወደን ከም ዝብገስ ምብራቓዊ Svialand ኣብ ዝበጽሓሉ ዓርቢ መዓልቲ ከኣ ንግሆ ብርቱዕ ንፋስ ክህሉ ምዃኑ እቲ ማእክለ ወሲኹ ኣብሪሁ’ሎ።

ኣብ ስቶክሆልም ኢፕሳላን vibelburyን ድማ ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

ኣብ ገማግም ዘለዋ ከባቢታት ዝለዓለ መጠን ውርጪን ብርቱዕ ንፋስን ክረኣየን እዩ።

ዓርቢ መዓልቲ ክሳብ 10 ቼንቲሜትሮ ዝኸውን ርጒዲ ዘለዎ ውርጪን ክሳብ 10 ሜትሮ ኣብ ሰኮንድ ዝሕንበብ ንፋስን ዝረአ ኮይኑ ቀዳም መዓልቲ እናዘሓለ ከይዱ ናብ ሰሜን ገጹ ክሃትፍ እዩ።

ካልእ ሓድሽ ማዕበል ውርጪ ንምብራቓዊ Cephaland (ማለት ደቡብ Norland) ብብርቱዕ ክወቕዓ እዩ።

ዘወርቲ መካይን ኣብ ጐደናታት ብጥንቃቐ ክዝውሩን ብሰንኪ ውርጪ ዝኽሰት ናይ ምርኣይ ጸገም ንምውጋድ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ርሕቀት ክሕልዉን እቲ ማእከል ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com