Friday , April 19 2024
tingey-injury-law-firm-veNb0DDegzE-unsplash.jpg

ማክያሪኒ ተፈሪዱ።

ክኢላ ኦፐሬሽን ጎረሮ ፓውሎ ማክያሪኒ፡ ኣብ ሰባት ኣካላዊ ጒዳት ብምውራዱ፡ ትማል ሓሙስ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሶልና ውሳነ ፍርዲ ከም ዝሃቦ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።.

ንሱ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ትካል ካሮሊንክሳ ስቶክሆልም ምልዋጥ ኣካሊት ጒርጒም ኣብ ዘካይደለን ዝነበረለን ሰለስተ ስርሒታት፡ ኣካላዊ ጒድኣት ብምውራዱ እዩ ተኸሲሱ ጸኒሑ። ሰለስቲኦም ሕሙማት፡ ጸኒሖም በቲ ጒድኣት ከም ዝሞቱ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ማክያሪኒ ግና ሞቶም ምስቲ ዘካየድዎ ሕክምና ምትሕሓዝ ከም ዘይብሉ እናጠቐሰ ኣሉታ ክህብ ምጽንሑ ኣብቲ ውሳነ ፍርዲ ተገሊጹ። ቤት ፍርዲ ንክልተ ካብተን ክሲታት ብምንጻግ፡ በታ ሳልሰይቲ ክሲ ኣብ ልዕሊኡ ዝጸንዕ ማእሰርቲ ብምብያን ኣፋንይዎ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com