Friday , March 29 2024
AMANDA EDWARDS / POOL/TT

ማይክል ጃክሰን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ።

ኣብ ልዕሊ ኣቦይ ዝዘንብ ዘሎ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ክከላኸል ግደ የብለይን ክትብል ጓል ማይክል ጃክሰን ፓሪስ ጃክሰን ገሊጻ።

ማይክል ጃክሰን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽም ምንባሩ ዘርኢ ሊቪንግ ነቨርላንድ ዝተባህለ ሰናዲ ቪድዮ ድሕሪ ምፍናዉ እያ ነዚ ዝበለት።

ጓል 20 ዓመት ፓሪስ ናይ ኣቦኣ ስም ንምንጻህ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ሓገዝ ክትገበር ምዃና ተዛሪባ’ላ።

ኣብ ሞዴልነት እትሰርሕ ፓሪስ ኣብ ብሓሙስ ኣብ ኒው ኦርሊንስ ብሃዳኖ ጋዜጠኛታት( ፓፓራዚ) ድሕሪ ዘጋጠማ ምስላይ እያ ነዚ ዝገለጸት።

እዞም ጋዜጠኛታት ዝሃድንዋ ዘለዉ ብዛዕባ እታ እተፈነወት ስነዳዊት ፊልም እንታይ ርእይቶ ከም ዘለዋ ንምፍላጥ ምዃኑ ደገፍቲ ማይክል ጃክሰን ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com