Thursday , April 25 2024
Magdalena Andersson presents a new jobs policy, which the Social Democrats' Congress will decide on.

ማግደሊና ኣንደርሾን፡ “ብጣዕሚ ኩርዓት ይስመዓኒ” ትብል

መማይት ኮሚቴ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ንሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግደሊና ኣንደሾን፡ ከም መራሒት ሰልፊ ንኽትከውን ሮቚሕዋ ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ማግደሊና፡ መራሒ ሰልፊ ንምዃን ዝሓቶም ረቛሒታትን ሓላፍነትን ትፈልጥ ሰብ እያ። ንሳ ከም መራሒት ሰልፊ ኮይና ክትሩቋሕ፡ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ ክትብል ኣደ ወንበር መማይት ኮሚቴ፡ ኤልቪ ሶደርስትሩም፡ ገሊጻ።

መራሒት ሰልፊ ንምዃን ምርቋሐይ፡ ብጣዕሚ ኩርዓት እንዳ ተሰመዓኒ፡ ነቶም ኩሎም ደገፎም ዝሃቡኒ ኣባላት ሰልፊ ምስጋናይ ይብጸሓዮም ድሕሪ ምባል፡ ማግደሊና፡ መራሒት ሰልፊ ንምዃን ዓቢ ውሳኔ ኮይኑ ግዜን ሓሳብን ዝጠልብ እዩ ኢላ።

ብሓባር ኮይንካ፡ ሕብረተ ሰብ ክትሃንጽን ነፍሲ ወከፍ ኣካል ሕብረተሰብ ድማ ብውልቁ ክዓብይን ክምዕብልን ከምዝኽእል፡ ንልዕሊ 100 ዓመት፡ ኣረጋጊጽና ኢና ክትብል ኣንደሾን ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com