Thursday , April 18 2024

ምሕሳው

”ሓሶት ኣብ ናብራና ኣገዳሲ ተራ ምሓዙ ዘርእዮ ነገር እንተሎ ኣገባብ ህይወትና ኣዝዩ ሓሚቑ ምህላዉ እዩ“

  ፍሬድሪች ኒቸ

ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካን ምሕደራን ሓቂ ተቘንጥራ እያ ትዕደል። ብፍላይ ኣብ ዘመንና ክልቲኡ ብዘይ ምሕሳው ክሳኻዕ ዝኽእል ክሳብ ዘይመስል ሓቂ ተጀሊሓ ኢና ንረኽባ። ኣብ ማሕበራዊ መስተጋብርና እውን ገለ ነገራት ደይ መደይ ተባሂሉ ከይግለጽ ፡ ክሽምረር ወይ ውን ብውጹእ ሓሶት ካብ ዕዳጋ ዕላል ከም ዝውገድ ንገብር ኢና። ብግርህነት ይዂን ብዕሽነት ካብዚ ስምምዕና ወጻኢ ‘ንሓቂ ብጭራኣ ጎቲተ እንተ ዘየውጻእኩዋ’ ዝብል ዘራጊ እንተተረኪቡ ድማ ብኣጽንኦት ይግናሕ። እወ! ሓሶት ኣገዳሲ ዝኾነሉ እዋናት ኣሎ እዩ። እዚ ይዂንምበር ሓሶት ብኣድማሳውነት ደረጃ ተጸላኢ ኣመል እዩ። ጸዋር ሓሶት ብማንም ኣይፍተውን። ሓንቲ ሓሶት ንምሉእ ተኣማንነት በሃሊኣ ክትድውን ስለትኽእል። ልክዕ ከም ንጣብ መርዚ! ንጣብ መርዚ ኣብ ማይ ምእታዋ እንተተፈሊጡ (በርሚል ምሉእ እውን ይዂን) ነቲ ማይ ደፊሩ ክሰትዮ ዝደሊ ኣይህሉን እዩ። ፈላስፋን ተጣባቒ ሰብኣውነትን ኤ ሲ ግረይሊንግ ብዛዕባ ሓሶት ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል።

ፕላቶ ዝተባህለ ፈላስፋ ሓሶት ቀንዲ ጸገሙ ንባዕሉ ክፋእ ምዃኑ ጥራይ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ንመንፈስ በሃሊኡ እውን ዝብክል ሓደገኛ መርዚ ስለዝኾነ እዩ ይብል። ሰለዚ ድማ ‘ብስነምግባር ዝንበር ህይወት ንሓቂ እምበር ንሓሶት ምንም ፈቓቕ ክህልዎ ኣይክእልን እዩ’ ብምባል ይምጒት። እዚ ብቐንዱ ንማሕበራዊ መስተጋብርና ዝምልከት እዩ። ንሓድሕድና ብዘይካ እሙንነት ቃላትና እንታይ ማእሰርዶ ኣሎና እዩ። ግደ ሓቂ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትና ንምሕሳው ዝዳረግ መርገምን ክፍኣትን የሎን ብምባል ሞንታኝ ይጽሕፍ። ይዂን’ምበር እዞም ብህሎትታ ኣብ ኲሉ ቦታን ግዜን ቅቡላት እዮም ማለት ኣይኮነን። ብምሒር ምስልካይ ኣብ ዝተጠቕዐ ዘመናዊ መንብሮና ሓሶት ምንጪ ምዝንጋዕ ኮይኑስ ኣሽሓት ሰባት ዝቚጸሩሉ ኢንዱስትሪ ሚድያ ኣጻቢቡ ይርከብ ኣሎ። ምስናይ ሓደገኛ ሳዕቤናቱ!

ካብ ቀንዲ ባህርያት ድርሰታት ሆመር ዝኾነ ኦዲስዬስ ብብልሓቱን ናይ ሓሶት ጥበቡን ዝተኻህነ እዩ ዝነበረ። በቲ ከም ዘይቲ ዝልስልስ ኣንደበቱ ኣብ መጻወድያ ዘይኣተወን ኢዱ ዘይሃበን ንጉስን ኣምበልን መን ኣሎ? እዚ ይዂንምበር ኦዲስዬስ በዚ ኣገባብ ህይወቱ ብምዕቃቡ ዘድንቖ እምበር ዝጸልኦ ኣይርከብን። እዚ ንያታ ንስነጥበብን ንሕደጎ።

ማሕበራዊ መስተጋብርና ዝበዝሐ እዋናት ገለ ዘይጠሓስ ሓቂ ኣሎ ብዝብል ዘይተጻሕፈ ስምምዕ እዩ ዝዓዪ። ተራ ንግዳዊ ልውውጣትና እኳ ከይተረፈ ብሓቂ ኢና ንሻየጥ ዘሎና፡ ወይ ድማ ዝበዝሕ ሰብ ሓቂ እዩ ዝዛረብ ዘሎ ኣብ ዝብል እምነት ዝተመርኰሰ እዩ። ብሓፈሻኡ እንክረአ ግና ኣብ ዝመንና ብዛዕባ ምሕሳው ዘሎ ኣመለኻኽታ ጽንዕ ዝበለ ኣይኮነን። ዝተገምዐ እዩ።  ምሉእ ብምሉእ ሓቀኛ ኴንካ እትወጾ ዓለም ኣይኮንናን ንነብር ዘሎና፡ ምሕሳው ኣድላዪ አረ ኣገዳሲ ዝኾነሉ እዋን ኣሎ ዝብል ኣብ ግብራውነት እተመርኰሰ እምነት ኣብቲ ሓሶት ዘፍንፍን ባህሪ እዩ ዝብል ግራት ቦቚሉ ኢና ንረክብ። ከከም ግዚኡን ኣጋጣሚኡን ኣድላዪ ኮይኑ እንተተረኺቡ ምሕሳው ሽግር የብሉን ዝብልን ሓሶት ግናይ ኣመል እዩ ዝብሉን ዘይዕረቚ ዝመስሉ መትከላት ብሓደ ተሳንዮም ይነብሩ ኣለዉ። በዚ ድማ ናይ ፕላቶ ኣባህላ ብምልኣት እንክረአ ኣብ ዘመንና ተቐባልነት ዘለዎ ኣይመስልን።

ሌጣ ሓቂ ሽግርን ግርጭትን እምበር ካልእ ዘይተምጽእ እንተኾይና ብሓሶት እንተተዋሕጠት ሽግር የብሉን እዩ እቲ ምጒት። ከምዚ ወለድና ”ዝተባእሱ ንምትዕራቕ እንተኾይኑ ሓሱ” ዝብልዎ! ከምቲ ዝጠቅም ሓቂ ዘሎ፡ ዝጐድእ ሓቂ ኸኣ ኣሎ። ሓቂ ምፍላጡ ንፈላጢኡ ዝጐድእ እንተኮይኑ ብሓሶት ከም ዝድሕን ምግባር ከም ክፋኣት ክቚጸር ኣይክእልን። ሓሶት ንምትዕራቕ፡ ንፍትሒ፡ ድሕነት ሰባት ንምክልኻልን ዝሓሸ ኮይኑ እንተተረኪቡ ካብ ሓቂ ዘይሕረየሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?! ፍልስፍና ግብራውነት (ፕራግማቲዝም) በዚ ክጠቓለል ይኽእል እዩ። ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ምሕሳውዶ ሓቂ ምዝራብ እዩ ድሕነትካን ድሕነት ካልኦትን ከረጋግጽ ዝኽእል ዝብል ሕቶ ክትምልስ እንድሕር ክኢልካ ክልቲኣቶም ምርጫታት ብማዕረ ጠቐምቲ እዮም።

ኣብ ሓቅን ሕሶትን ዘየዳግም መርገጺ ዘለዎም ከም ፕላቶ ዝበሉ ፍላስፋታት ዘለዎም ሻቕላ ብኸምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይኽእል። ሓሶት ብቐጥታ ተጻይ ሓቂ ምስ ምዃና ሓደ ሰብ ደይ መደይ ኢሉ ንኽሕሱ ኣቐዲሙ ሓቂ ምፍላጥ የድልዮ እዩ። ሓደ ሰብ ሓቂ ዘይፈልጥ ብምዃኑ ግጒይ ሓበሬታ እንተሂቡ ከም ዝሓሰወ ክቚጸረሉ ኣይኽእልን። በዚ ድማ ሓደ ሰብ ሓስዩ ምስ ዝርከብ ክልተ በደላት ከም ዝፈጸመ እዩ ዝቚጸር። እቲ ቀዳማይ ደይ መደይ ኢሉ ሓቂ ምሕባኡ ክኸውን እንከሎ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ክዉን፡ ዘይክዉን ነገር ብምዝራቡን ንኻልኦት ብምግጋዩን እዩ። ጸኒሖም እተቐልቀሉ ፈላስፋታት ብፍላይ ድማ ኢማኑኤል ካንት ኣብ ሓቅን ሓሶትን ዘየዳግም መርገጺ ፕላቶ ብምቕባል ነቲ ፍልስፍና ኣኣስፊሖሞ ንረኽቦም። ሓሶት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይዂን ኲነታት ክውገድ ዝግብኦ ኣመል እዩ ብምባል ድማ ይምጒቱ። ንሰብ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ደይ መደይ ኢልካ ምሃብ ኣካላዊ መትቃዕቲ ካብ ምውራድ ፈሊኻ ክረአ የብሉን ክሳብ ምባል እውን ይኸይድ። ንውልቊ ጥራይ ዝጐድኦ ምስ ዝኸውን ግና ሓቂ ካብ ምዝራብ ምቚጣብ ካብዚ ሕጊ ናጻ እዩ።

ኣብታ Liar Liar እትብል ኮመድያዊት ፊልም ቀንዲ ባህሪ ኮይኑ ዝጻወት ጠበቓ ጂም ኬሪ ምስ ህጻን ወዱ ዝገበሮ ዕላል ምዝካር ይከኣል እዩ። ንሱ ”ስማዕ ዝወደይ! ንስኻ ገና ህጻን ኢኻ፡ ኣብ ዓለመ ዓበይቲ ነገራት ሕልኽልኽ ዝበሉ እዮም። ሓሶት ምዝራብ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነሉ እዋናት ኣሎ። ንኣብነት ኣዴኻ ንኣኻ ጥንስቲ ኣብ ዝነበረትሉ ኣዋርሕ ብዙሕ ኪሎታት ወሲኻ ሓርማዝ እያ ትመስል ኔራ። ነቲ በርሚል ዘምስላ ገፊሕ ፒጅማ ተኸዲና ኣብ ጥቓይ ቀሪባ–ሃኒ ከመይ ኣለዂ? እንክትብለኒ ግና ኣቦኻ ከየባተኽኩ–ማራ ሽኮር፡ ከም ሎሚ ኣጸቢቚልኪ ኣይፈልጥን እዩ እናበልኩ እየ ኣሳልየያ። ሽዑ ሓቁ ነጊረያ እንተዝነብር ሓዳርና ምተበተነ ኔሩ። ብምሕሳወይ ሓዳርና ኣውሒሰዮ እየ!“።

ኣብቲ ብዙሕ ዘረባ ዘለዎ ብዙሕ ኣበሳ ኣይሰኣኖን ብዝብል መንፈስ ዝተሃንጸ ኪርክ ኣብ ዘይግዜኡ ዝግለጽ ሓቂ ካብ ሓጥያት ዝፈልዮ የብሉን ዝበለ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።

ጻዕዳ ሓሶት ጽሉእ እዩ፡ ሓቂ ብምልኣታ ግና ኣይትድለን እያ። በዚ ድማ ኒቸ ኣብ መእተዊ ብዛዕባ መንብሮና ዝሃቦ ትዕዝብቲ ካብ ሓቂ እምብዛ ዘይረሓቐ ምዃኑ ንርዳእ። ኣብ መዓልታዊ መስተጋብርና ሓሶት ኣገዳሲ ክፋል ምዃኑ ዘሕዝን እዩ፡ ወዲ ሰብ ርክባቱ ኣመና ተኣፋፊን ረቂቕን እናኾነ ብዝኸደ መጠን እቲ ውጥረት እውን ማዕሬኡ ምዕባዩ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። ርክባትና ብ ቅንኢ፡ ስእነት ውሕስነትን ምጥርጣርን ተጐቢኡ ክሳብ ዝቐጸለ ሓሶት መናብርትና ኮይኑ ከሳልየና እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com