Thursday , March 28 2024

ምሕደራ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ብርቱዕ ውሽጣዊ ነቐፌታ ጎኒፍዎ!!

ምሕደራ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ጌጋታቱ ክኣሊን ምትዕርራይ ክገብርን ካብ 700 ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታቱ ብደብዳበ ጸቕጢ ከም እተገብረሉ መደበር ዜና SVT ሓቢሩ። እቲ ኩባንያ ሓድሽ መሪሕነታዊ ኣካይዳ የድልዮ ኣሎ እዩ ተባሂሉ። ዝሓለፈ ሚያዝያ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣድማ ሰራሕተኛታት ኣብ ፓይሎታትን ሰራሕተኛታትን እቲ መንገዲ ኣየር ገዚፍ ዘይዕግበት ከምዘሎ ይንገር።

ፓይሎታት እዚ መንገዲ ኣየር ስሩዕ ውጥን በረራ የሎን ኢሎም ብምምራር ናይ 13 ሚእታዊት ወሰኽ ደሞዝ እዮም ጠሊቦም ዘለዉ። እቲ ኩባንያ ስሩዕ ናይ በርራ ውጥን ብምድላው ደሞዞም ብ 3.5 ሚእታዊት ጥራይ ክውስኽ ከም ዝደሊ ገሊጹ’ሎ። ብምኽንያት እዚ ኣድማ እዚ መንገዲ ኣየር ብዙሕ ቊጠባዊ ሃስያ ከም ዝወረዶ ተዓዘብቲ ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com