Friday , April 19 2024
STOCKHOLM 20211124 Statsministeromröstning i riksdagen. Foto: Erik Simander / TT kod 11720

ምሕደራ ሽወደን . . . 5ይ ክፋል . . . መንግስታዊ ትካላት

ነፍሲ ወከፍ ሚኒስትሪ፡ ነቶም ብመንገዲ ባይቶን መንግስትን ውሳኔ ንዝተበጽሐሎም ዋኒናት ንምትግባር ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ መንግስታዊ ትካላትን በዓል መዝታትን ሙሉእ ሓላፍነት ኣለዎ። ከም በዓል መዚ ጉዳይ ስደተኛታት ሽወደንን በዓል መዚ መኽፈሊ ግብሪ ሽወደንን ዝኣመሰሉ፡ ኣብነት ናይ መንግስታውያን በዓል መዝታት እዮም።
መንግስቲ ሽወደን ነዞም መንግስታውያን ትካላት ኣንፈት ናይቲ ዓመታዊ ናይ ባጀት ዋሕዚ ኣመልኪቱ መምርሒ ይህቦም።  እቶም መንግስታውያን ትካላት ድማ ንሸቶታት ናይቶም ትካላት ብምንጻር፡ ንነፍሲ ወከፍ ንጥፈት፡ ዘድልይ መጠን ገንዘብ ይስልዑ።  እዚ ማለት፡ መንግስቲ፡ ነዘን ትካላት ኣንፈት ክመርሐን ድኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ወይ ድማ ዝተወሰነ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ብኸመይ ይትግብረኦ ወይ ድማ ይውስነኦ ብዝብል ዝኾነ ዓይነት ኢድ ናይ ምትእትታው ስልጣን፡ የብሉን።  እዞም መንግስታዉያን በዓል መዝታት፡ ንነፍሲ ወከፍ ውሳኔ ብንጽል ናብ ዝምልከቶም ሚኒስትሪታት ጸብጻብ የቕርቡ።
ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት፡ ሓደ ሚኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ መዓልታዊ ንጥፈታት ናይ ሓደ ትካል ኢድ ናይ ምትእትታው ስልጣን ኣለዎ።  እዚ ተኽእሎ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዘይፍቀድን ከም ‘ሚኒስትርያዊ ሕጊ’ ድማ ዝተኸልከለ ተግባር እዩ።

እቲ መንግስቲ: ኣካየድቲ ስራሕ ናይዘን መንግስታውያን ትካላት፡ ናይ ምቑጻርን ምምዛዝን ሓላፍነት ኣለዎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com