Thursday , April 25 2024
STOCKHOLM 20211124 Statsministeromröstning i riksdagen. Foto: Erik Simander / TT kod 11720

ምሕደራ ሽወደን . . . 6ይ ክፋል . . . ባጀትን ሕጋዊ ኣካይዳን

ናይ ዝቕጽል ዓመታዊ ባጀት ናይ ማእከላይ መንግስቲ ንምድላው፡ ክሳብ ሓደ ዓመት ዝወስድ ጉዳይ እዩ። እቲ መስርሕ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምዕባለታት ናይታ ሃገር ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ መብርሂ ናብ መንግስቲ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ ዝጅመር። ብዛዕባ ባጀት ማእከላይ መንግስቲ ብዝምልከት ድማ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝግበሩ ምርርባት ዝካየዱሉ እዋን ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዮ። ሓፈሻዊ ኣተኩሮ ኣብ ልዕሊ መደባት ናይ ዝመጽእ ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ናብ ባይቶ ሽወደን ዝቐርብ፡ ናይ ጽድያ ቅዋም ቁጠባዊ ፖሊሲ፡ እዩ ዝቐርብ።
ናይቶም ሚኒስትሪታት ምዱብ ናይ ስራሕ ግዜ ክሳብ ጽድያን ሓጋይን ዝቕጽል ኮይኑ፡ እቲ መንግስቲ ድማ ነቲ ዝመጽእ ዓመት ዘድሊ “the Budget Bill” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓመታዊ ናይ ባጀት እማመ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ናብቲ ባይቶ ክቐርብ ይገብር።
እቲ ባይቶ ነዚ ዓመታዊ ባጀት ኣብ ዝግምግመሉ እዋን፡ እቶም ሚኒስትሪታት ነቶም መንግስታዊ ትካላት ናይ ባጀት ዋሕዚ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣንፈት የቐምጡሎም። እቲ መንግስቲ ድማ ነቶም መንግስታዊ ትካላት ዝቐረበ ኣንፈት ናይ ባጀት ዋሕዚ ቅድሚ መዕጸዊ ዓመት የጽድቖ።
 እቲ ባይቶ ኣድላይነት ሓድሽ ሕጊ መርሚሩ ብዛዕባኡ ውሳኔ የማሓላልፍ። እቶም መብዛሕትኦም ሕጊ-ተንከፍ ዝኾኑ እማመታት ብመንግስታዊ ተበግሶ እዮም ዝቐርቡ። ኣብ ዓመት ኣስታት 200 ዝኾኑ እማመታት ሕጊ ብመንግስቲ ኣቢሎም ናብቲ ባይቶ ይቐርቡ።
ገለ ካብቶም እማመታት፡ ሓድሽ ሕጊ ከተኣታትዉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ነቶም ኣብ ስራሕ ዘለው ሕጊታት ዝኸውን መመሓየሺ ነጥብታት ጥራሕ የቕርቡ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com