Saturday , April 20 2024
STOCKHOLM 20211124 Statsministeromröstning i riksdagen. Foto: Erik Simander / TT kod 11720

ምሕደራ ሽወደን . . . 7ይ ክፋል . . . መርመራታትን ነዚኦም ክኣልዩ ዝቖሙ ኣካላትን

ሓደ ሓደ ብመንግስቲ ዝረአዩ ዛዕባታት ካብቶም ካልኦት ጉዳያት ንላዕሊ ዝተሓላለኹ ዝኾኑሉ ግዜ ኣሎ።  ከምዚ ኩነታት ምስዘጋጥም፡ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዝምርምር ብሓደ ሰብ ዝምራሕ መርማሪ ኣካል ወይ ድማ ብብዙሓት ሰባት ዝምራሕ መርማሪ ጉጅለ ከቕውም ይኽእል’ዩ። መንግስቲ እቲ መርመራ ዝትግበረሉ መበገሲ መምርሕታት (terms of reference) ብምንጻር ደረት ናይቲ ሓላፍነት ካበይ ክሳብ ኣበይ ከምዝኾነ ብንጹር የቐምጥ። ውጽኢት ናይቲ መርመራ ንህዝቢ ተሰኒዱ ኣብ ዝቐርብ ጸብጻብ ከም ዝጠቓለል ይግበር።
 መንግስቲ፡ ሓድሽ ሕጊ ከተኣታቱ ምስዝደልይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዝኽተሎ ኣገባብ ከምዝስዕብ ይኸውን፡
1.  ነቲ ጉዳይ ዝምርምር መንግስታዊ ኣካል ይቐውም። መንግስቲ ከተኣታትዎ ንዝደለዮ ሓድሽ ሕጊ ዝምርምር ውልቀ ሰብ ወይ ድማ ጉጅለ ነቲ ጉዳይ ንኽምርምር ሓላፍነት ከም ዝወስድ ይግበር። ነቲ ዕዮ ዘድልይ መስርሕ መበገሲ ብዝኾኑ መምርሕታት (terms of reference) ኣቢሉ ይዳሎ።
2.  እቲ መርመራ ምስተዛዘመ፡ እቲ መርማሪ ኣካል ጸብጻብ ይስንድ።
3.  እቲ ጸብጻብ ምስተዳለወ፡ ንተወሳኺ ምኽሪን ሓሳብን፡ ግብረ መልሲ ክህቡ ትጽቢት ንዝግበረሎም መንግስታዊ ትካላት፣ ውድባት፣ ናይ ከተማ ምምሕዳር ኣካላትን ካልኦት ዝምልከቶም ቤት ጽሕፈታትን ይስደድ። ካብቶም እዚ ጸብጻብ ዝተላእከሎም ቤት ጽሕፈታት፡ እቶም ዝበዝሑ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ብኣሉታዊ ዓይኒ እንድሕር ገምጊሞሞ፡ እቲ ጉዳይ ንኸይትግበር ይውሰን ወይ ድማ ብዝተፈልየ ኣማራጺ ንኽትካእ ጻዕሪ ይግበር።
4.  ብተወሳኺ’ውን እቲ ጸብጻብ ብደቂቑ ንኽምርመር Council on Legislation ናብ ዝባሃል ክፍሊ ሕጊ ይስደድ።
5.  ብድሕሪ’ዚ መንግስቲ፡ ነቲ ጸብጻብ፡ ብእማመ መልክዕ ሰኒዱ ናብ ባይቶ የቕርቦ።
6.  ዝኾነ ኣካል ናይቲ ፓርላማ (ባይቶ) ኣብ ልዕሊ እቲ እማመ ተወሳኺ ሓሳብ ከቕርብ ይኽእል እዩ።
7.  እቲ ባይቶ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ድምጹ የስምዕ። እዚ እማመ እንድሕር ጸዲቑ፡ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ሽወደን መስርሕ ናይ ሕጊታት (Swedish Code of Statutes – SFS) ከም ሓድሽ ሕጊ ኾይኑ ክዋሃሃድ (ክእወጅ) ይግበር።
ንመንግስቲ ሽወደን ክጸሉ ዝኽእል ዝተወሰነ ሕጋዊ መስርሕ፡ ብሕብረት ኣውሮጳ ኣቢሉ ክታኣታቶ ይኽእል’ዩ። ሓደ ሓደ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣውሮጳ ዝትግበሩ ሕጊታት፡ ናብ ባይቶ ሽወደን ምቕራብ ከየድለዮም፡ ብቐጥታ ኣብታ ሃገር ክትግበሩ ይኽእሉ እዮም።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com