Thursday , April 25 2024
Bild: Jonas Ekströmer/TT

ምምህርናን ስነ-ምግባርን

ስነ-ምግባር ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ክወሃቦ ይኽእል’ዩ። ኣብ ምምህርና እንተመጺእና ግን ዕግበትን ድሌታትን ተመሃሮ በቲ ርትዓዊ ቀዳምነት ክወሃቦ እንከሎ ማለት’ዩ። ተመሃሮ ሓድሽ ፍልጠት ዝቐስሙሉን ዝዓግቡሉን ኣገባብ ኣመሃህራ ኣድማዒ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቶም ተመሃሮ እምነት ስለ ዘሕድሩሉ’ዩ። ክፈልጡ፡ ክጥቀሙ ምዃኖም እንተ ደኣ ኣሚኖም ኣገባብካ ዕዉት ክኸውን ይኽእል። ኣብ ምምህርና ስነ-ምግባር ዘድልየሉ፡ ንድሌታትን ሕልምን ተመሃራይ ቀዳምነት ምሃብ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ተመሃራይ ዓንዲ ሕቖ ናይ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን’ዩ። መምህር፡ ሓለፍቲ ትምህርቲ፡ኣመሓደርቲን ካልኦት ኣካላትን ተመሃራይ ስለዘሎ ዝህልዉ፡ ብዘይህላዉ ትርጒም ዘለዎም ኣይኰኑን። ስለዚ እምበኣር ነቲ ሕብርቶም ዝዀነ ተመሃራይ ቀዳምነት ክህቡዎ፡ ስነ-ምግባራውያን ክዀኑ ግድን ይኸውን።

መምህራን ተመሃራዮም ናጻ ዀይኑ ይመሃር ከምዘሎ፡ ናይ ምርዳእን ምምሃርን ዓቕሙ ይውስኽ ከም ዘሎ ክከታተሉ እንከለዉ ሓደ ስነ-ምግባር ናይ ምምህርና’ዩ። ብግምጣሉ ሸለል እንድሕር ኢሎም ግን ስነ-ምግባር ይጐድል ኣሎ። ተመሃራይ ንመምህር ብስነ-ምግባሩ፡ ፍልጠቱ፡ ካልእ ኣካይዳኡን ዘይኣምነሉ እንድሕር ኰይኑ፡ ብስርዓት ክመሃር ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ይኸውን። ሓደ መዘናይ መምህር “ብእትብሎ ጥራይ ዘይኰንካ፡ ብእትዀኖን ኣካይዳኻን ኢኻ እትምህር። እዚ ኣብ ክላስ ኣቲኻ፡ ኩሩሽ ሒዝካ ተደመሮ፡ ስነ-ፍልጠት ስለ ዝበልካ ኣይትምህርን ኢኻ። ናብ ክላስ ክትኣቱ ከለኻ እቶም ተመሃሮ ብውሽጦም ‘መምህር መጺኡ፡ ክንመሃር ኢና’ ክብሉ ክኽእሉ ኣለዎም” ዝበለኒ፡ ድንቂ ኣበሃህላ ኰይና ትስመዓኒ።

ኣብ ብህሎኡ ‘ኣብ ዝዀነ ሞያ ስነ-ምግባር ኣድላዪ’ዩ። ብፍላይ-ብፍላይ ምምህርና ግን ብዘይ ስነ-ምግባር ፋይዳ የብሉን። ኣብ ሓቲ ፋብሪካ ንስኻ ነቲ ማናጀር እታ ንብረት ተፍሪ ከምዘለኻ ጥራይ’ዩ ዘገድሶ። ብዛዕባ ውልቃዊ ጠባይካ ብዙሕ ኣየገድሶን ይኸውን። ኣብ ምምህርና ግን ጠባይካስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥራይ ዘይኰነ ዋላ ካብኡ ወጻኢ’ውን ኣገዳሲ’ዩ” ይብል ዓርከይ። እቶም ተመሃሮ ነኣሽቱ፡ ብፍላይ ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ መምህር ኣብ ስነ-ምግባራዊ መዳዩ ዝያዳ ትኹረት የድልዮ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓንቲ ሓብትና ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመጽኡ ተመሃሮ ትምህር ነይራ። ብኽልተ ሸነኽ ናይ ርእሳ ጸጒራ ኣሕጺራቶ ነበረት። ኣብ ዝባን ከኣ ኩምር ኢሉ። ነቶም ተመሃሮ ናይ ሓደ ክልተ መዓልቲ ብዛዕባ “ዓውለማ” ኢያ ትምህሮም ዝነበረት። ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣርእስታ ወዲኣ ምስ ወጽአት ክልተ ተመሃሮ “እዛ መምህርናስ ዓውለማ-ዓውለማ ኢላ ክትምህረና ጸኒሓ’ምበር ንባዕላ ብዓውለማ ተጠቒዓ ኣላ” እናበሉ ክስሕቁ ሰሚዕናዮም። እቲ ዝበሉዎ ግን ክትኣቱ እንከላ ኣትሒዝናስ ስኽፍታ ነይሩና’ዩ።

መምህራን ንተመሃሮኦም ክብሉ ስነምግባራውያን ክዀኑ፡ ንተመሃሮኦም ቀዳምነት ክህቡ ከምዝግባእ ዝዝንጋዕ ኣይኰነን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግን ንነብሶም ክርስዑ፡ ንስድራኦም ግዜ ክኸልኡ፡ ምስ ኣዕሩኽቶም ኰነ ካልኦት ዝነበሮም ርክብ ክልሕልሕ ክሳዕ ዝኸውን ክኸውን ኣለዎ ማለት ግን ኣይኰነን። በቲ ኢሎም በቲ ግን ኣብ ተመሃሮኦም ናይ ምትእምማን መንፈስ ከሕድሩ ይድለ። መምህር ስነ-ምግባር ዝጐድሎ እንተ ደኣ ኰይኑ፡ መምህር ዘይኰነ ኣመሓላላፊ ተራ ሓበሬታ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ምምህርና ዝለዓለ ትኹረት ዝወሃቦ፡ ንመምህራን’ውን ሓደ ካብ ከም መለክዒ ደረጃኦም ዝኸውን፡ ስነ-ምግባር’ዩ።

ሓደ ካብቲ ስነ-ምግባራዊ ሸነኽ ናይ ምምህርና፡ መምህራን፡ ንነብሶም ኣብ ቦታ ተመሃሮኦም ገይሮም ክርእዩዋ፡ ኣብ ተመሃሮኦም ክኽሰት ዝኽእል ሕቶታትን ክፈትሕዎ ዘለዎም ድሌትን ከስተብህሉን ክሕግዝዎምን’ዩ።

መምህራን ሓላፍነት ዝስምዖም እንተዀይኑ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ስነ-ምግባር’ዩ። ተመሃሮ ንቤት ትምህርቲ ዝናፍቕዎን ተሓጒሶም ዝኸድዎን ኣብ ምግባር መምህር ልዑል ተራ ይጻወት። ኣብ ክፍሊ ዝዀነ ዓይነት ሕቶ ክሕተትን ክምለስን ከም ዝኽእል ክኣምኑ ኣገዳሲ’ዩ። ናይ ምሕታትን ምክታዕን ክእለት ንኸማዕብሉ ዝጸዓር እንተዀይኑ፡ ተመሃሮ ዝበለጸ ፍልጠት ናይ ምቕሳም ዕድል ኣለዎም። ኣብ ክፍሊ ክደሃሉን ክነዓቑን፡ ነብሶም ከምዘትሕቱ እንተተገይሩ ዓቢ ዕንወት’ዩ። ብምቕጻል ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ክቐርባ’የን።

  1.    ተመሃሮ ዘይምህሳይ፦ ሓደ ካብ ቀንዲ ስነ-ምግባር ምምህርና ተመሃሮ ዝተፈላለየ ዓይነት ሃስያ ከይወርዶም ምክልኻል’ዩ። ንኣብነት ሓደ ተመሃራይ ብጸቕጢ መዛኑኡ ዘይደልዮ ነገር ይገብር፡ ይብደል ከይህሉ ምክትታል’ዩ። ካብ ከምዝን ካልእን ዓይነት ሃስያን ምክልኻል ክግበረሉ ኣዝዩ የገድስ። ተመሃራይ ኣብ ዝብድለሉ እዋን ዝወሃብ መቕጻዕቲ ስነ-ኣእምሮእዊ ሃስያ ዘውርደሉ ክኸውን የብሉን። ወይ መምህር ንገለ ተመሃሮ ዝሓቊፍን ዘተባብዕን ንገለ ግና ዘዋስን እንተዀይኑ ርእሱ ዝኸኣለ ሃስያ’ዩ ዘውርድ።
  2. ምትብባዕ፦ ምትብባዕ ብኽልተ መዳዩ ክንርእዮ። መምህር ንተመሃሮኡ ቀዳምነት ክህብ፡ ዝከኣሎ ዘበለ ከይበቅቕ ዝብል ሓሳብ ርዱእ’ዩ። ንኸተባብዖም ዘለዎ ፍልጠትን ሓገዝን ክገብር ኣገዳሲ’ኳ እንተዀነ ጥንቃቐ ክግበረሉ ግን ኣድላዪ’ዩ። እቲ ንሱ ዝገብረሎም ኣልያን ምሕብሓብን ‘ተጸበይቲ’ ክገብሮም ክኽእል ኣይግባእን። ኵሉ ፈትፊቱ ክህብ ዘይኰነስ ተበላሓትትን፡ ተመራመርትን ክዀኑ’ዩ ከተባብዕ ዘለዎ። ንኣብነት ቅነ ተመሃሮ፡ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ምርኢት ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ መምህር ንተመሃሮኡ ባዕሉ ክሰርሓሎም ወይ ክውድኣሎም ኣይግባእን። ባዕሉ ምስ ሰርሓሎም ኣቕሪቦም ቤት ትምህርቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ እንተተዓወተት ምስ ቅዉም ነገር ዝሕሰብ ኣይኰነን። ተመሃሮ ንኽገብሩ ክተባብዑ’ምበር ክግበረሎም ኣይግባእን።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com