Wednesday , April 24 2024

ምምሕዳር ሊንሾፒን፡ ከባብያዊ ቀይድታት ከተተግብር ጀሚራ

ምምሕዳር ሊንሾፒን፡ ዋንነት’ታ ምምሕዳር ዝኾኑ መሐንበሲን ባህላውን ማሕበራውን ንጥፈታት ዝካየደሎም ቦታታት ክዓጹ ምዃኑን ብተወሳኺ ድማ ብጀካ ንትምህርታዊ ንጥፈታት እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ናይ መንእሰያት ንጥፈታት ተባሂሉ ዝተሓዝአ ቦታታት ውን ክዓጹ ምምዳቡ ተፈሊጡ። እዚ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ነቲ ትማሊ ሓሙስ ብበዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝቐረቡ ምኽርታት መሰረት ብምግባር ዝተወሰኑ እዩም።

ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ትማሊ ሓሙስ፡ ንምምሕዳራት ስቶክሆልም፡ ቬስትራጎትላንድን ኦስተርጎትላንድን ምኽርታት ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ይዝከር።

እዞም ሓደስቲ ምኽርታት፡ ኣብ ከም በዓል ቤተ መዘክር፡ ቤት ንባብ፡ ናይ ስፖርት ቦታታት፡ ዱኳናትን ኣብያተ ንግድን ዝኣመስሉ ዕጹዋት ቦታታት ብዙሕ ዘይምጽናሕ ዝመኽሩ እዮም። እቶም ከም ናይ ምግቢ ኣብያተ ንግድን ፋርማሲታትን ዝኣመሰሉ ቦታታት ግን ኣብዚ ምኽሪ ከምዘይኣተዉ ተፈሊጡ።

ማሕበረ ሰብ ሽወደን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ማሕበራውን ሙዚቃዊ ጽምብላትን ስፖርታዊ ውድድራትን ክውግድ ከምዘለዎ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ኣዘኻኺሩ። እዞም ምኽርታት ግን ነቶም ኣብ ዓመተ 2005ን ድሕሪኡን ንዝተወልዱ መንእሰያት ዘጠቓልል ኣይኮነን።

ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ገለ ካብተን ኣብ ምምሕዳር ሊንሾፒን ዝርከባ ቤት ትምህርታት፡ ብብዝሒ ይረአ’ኳ እንተሃለወ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ብዛዕባ ብናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ ብዝምልከት ዝተወስደ ውሳኔ ከምዘየለ ምምሕዳር ሊንሾፒን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com