Friday , April 19 2024

ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ መሐንበሲ ማእከላትን ስፖርታዊ ኣደራሻትን ንኽዕጾ ወሲኑ

ኣብ ሽወደን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምውጋድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ናይ ዝተፈላለዩ ዞባታት ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ንኹሎም ኣብዚ ዞባ ብምምሕዳር ስቶክሆልም ዝዉነኑ ዘሎዉ መሐንበሲ ማእከላትን ስፖርታዊ ኣደራሻትን ክዕጸዉ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መእለይ ኣረጋዉያን እቲ ምልባዕ ንምክልካል ተባሂሉ ምስቲ ብሃገር ደረጃ ተወሲኑ ዘሎ፣ ዉሳነ ብዝሳነ መገዲ፡ ካብ ሰኑይ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ዝጸንሕ ምብጻሕ ናብ ማእከላት መእለይ ዓበይቲ ደው ክብል ከምዝኾነ እዉን ተሓቢሩ።

ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዞባታት ከከም ኩነታቱ ብዝጥዕም፡ ዝተፈላለዩ መምርሕታትን ድንጋገታትን ተማሓላሊፎም ከምዘሎዉ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ፡ ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ዋላ እኳ ብመንግስቲ ብሃገር ደረጃ ምሕጽንታ እንተዘይቀረበ፡ ዉልቃዊ ዉሳነ ሽወደናዉያን ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com