Friday , April 19 2024
Eva Melander, infectious disease physician in Region Skåne Foto: Anders Bjurö / TT / Kod 11830

ምምሕዳር ስኮነ . . . ኣወንታዊ ኩነታት ይረኣየና ኣሎ

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና እናኣንቆልቀለ ይመጽእ ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተራእየ መልከፍቲ ኮቪድ ምስቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 25% ብምንካዩ ካብ 1036 ዝተለኽፉ ሰባት ናብ 760 ሰባት ከምዝጎደለ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፋ ሳምንታት፡ ኩነታት መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣብ ኩሎም ክሊ ዕድመ፡ እናኣንቆልቀለ ብምምጽኡ፡ እቲ ኩነታት ኣወንታዊ ኣንፈት ሒዙ ከምዘሎ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኤቫ ሜላንደር፡ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ 74% ካብቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ምሉእ እብረ ክታበት ከምዝተኸትቡ፡ ምምሕዳር ስኮነ ገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ ዝርከባ ሆስፒታላት፡ 32 ሰባት፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይረኽቡ ከምዘለዉን ካብዚኣቶም ድማ እቶም 7 ሰባት፡ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ይግበረሎም ከምዘሎ፡ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ጥዕና እቲ ምምሕዳር ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com