Friday , April 26 2024
A man who was not allowed to continue working after vaccination receives compensation of SEK 80,000 from the company, according to the union Unionen (AP Photo/Andrew Medichini, file) LLT110

ምምሕዳር ሽወደን፡ ንዘይተኸተቡ ሰባት፡ መልእኽቲ ሰዲዱ

ምምሕዳር ካልማር፡ ተወሰኽቲ ሰባት ጸረ ኮቪድ-19 ንክኽተቡ ብምባል፡ ናብቶም ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ቀጥታዊ መልእኽቲ (ደብዳቤ) ከምዝጸሓፈ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

30 ሽሕ ዝኾኑ፡ ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ተቐማጦ እቲ ምምሕዳር፡ ክታበት ኮቪድ-19 ዘይተኸትቡ ከምዝኾኑ መዝገባት ክታበት እቲ ምምሕዳር ዝገልጾ እዩ። ስለዝኾነ ድማ፡ ምምሕዳር ከተማ ካልማር፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን፡ ብኸመይ ኣገባብ ክኽተቡ ከምዝኽእሉ ዝሕብር መልእኽቲ ክሰደሎም ምዃኑ ሓቢሩ ክብል   SVT Nyheter Småland ገሊጹ።

ነዞም ክኽተቡ ተመዲቦም ዘለዉ ሰባት፡ ምምሕዳር ከተማ ካልማር፡ ዕለተ ቆጸራ ድዩ ክህቦም ወይስ ኣብ ከባቢኦም እናኸደ ክኸትቦም ከምዝኾነ ዝሓዞ ውጥን ከምዘየለ፡ ኣወሃሃዲት ክታበት እቲ ምምሕዳር ማሪ ራግናርሶን፡ ገሊጻ።

ምምሕዳር ካልማር፡ ንመዝገብ ክታበት፡ ነቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ንምምልላይ፡ ከም መወከሲ ክጥቀመሉ፡ ከምዝኽእል፡ ኣፍልጦ’ኳ እንተዘይነበሮ፡ ኣብ ማሕበር ከባብያዊ በዓል መዚን ምምሕዳራትን ሽወደን (SKR) ዝሰርሑ ጠበቓታት፡ ነቲ መዝገብ ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉ ፍቓድ ከምዝሃቡዎ ተፈሊጡ።

ይኹን እምበር፡ ምምሕዳር ክሮኖበሪ፡ ነቲ ካብ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ዝረኸቦ ሓበሬታ ተጠቂሙ፡ ናብቶም ዘይተኸትቡ ተቐማጦ’ቲ ምምሕዳር፡ ደብዳቤታት ክጽሕፍ ምዃኑ ብመንገዲ ኣዋሃሃዲት ክታበት’ቲ ምምሕዳር፡ ለና ኣንደሾን፡ ኣቢሉ ንSVT ሓቢሩ ኣሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com