Thursday , April 25 2024

ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ኣብ ላንድቬተር፡ ሓድሽ ናይ መርመራ ኑቕጣ ከፊቱ

ነፍሲ ወከፍ ካብ ሽወደን ወጻኢ ገይሹ ዝጸንሐ ዜጋ፡ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ ክሳብ ንብረቱ ዝእክብ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መርመራ ኮቪድ-19 ክገብረሉ ዝኽእል ሓድሽ ኑቕጣ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ላንድቬተር ካብ ሎሚ ሰኑይ፡ ስርሑ ክጅምር ተዳልዩ ከምዘሎ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ናይ መርመራ መስርሕ፡ ወለንታውን ብነጻን ኮይኑ፡ ነቶም ኣብዚ ምምሕዳር ምዝጉባት ዝኾኑ እሞ ከኣ ካብ መገሻ ዝምለሱ ሰባት ጥራይ ዘገልግል እዩ።

ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናን፡ ተርእዮታት ናይ ሓደስቲ ጅር (ዓሌታት) ኮሮና ነቲ ኩነታት፡ ክትግምቶ ኣብ ዘይትኽእል ደረጃ ምውሳዱ ይፍለጥ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ እነካይዶ መስርሕ መርመራታት፡ ነቲ ነካይዶ ዘለና ጻዕሪ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ክኸውን እዩ ክትብል፡ ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ኣወሃሃዲት መርመራታት ዝኾነት፡ ሲኮራ፡ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com