Saturday , April 20 2024
FMV activates war staff to be prepared for changes in security situation Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ምምሕዳር ናውቲ መከላኸሊ ሽወደን፡ መስርሕ ኲናትን ቅልውላውን ኣበጋጊሱ

ምምሕዳር ናውቲ መከላኸሊ ሽወደን (The Swedish Defence Materiel Administration- FMV) ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት መስርሕ ቅልውላውን ኲናትን ኣበጋጊሱ ከምዘሎ SvD ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

FMV ንሓይልታት ምክልኻል ሽወደን፡ ናይ ውግእ ነፈርቲ፡ ሳብማሪናትን ስርዓተ ምክትታልን ምጽንጻንን (ራዳር) ዝኣመሰሉ መሳርሕታት ዘቕርብ ትካል ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ናይታ ሃገር፡ በሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢ ሃገረ ሽወደን እንዳገደደ ዝመጽእ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ምርኩስ ብምግባር፡ ንጥፈታት ናይዚ ትካል፡ ኣብ ኣገልግሎት ከውዕልዎም ድልየት ከምዘለዎም ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

ይኹን እምበር፡ ከም FMV እንተኾይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ “ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ፡ ርጉጽ ሓደጋ ተባሂሉ ከምዘይጽዋዕ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ንሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ንገብሮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ሓገዛት ከምዘለውዎ ኾይኖም፡ FMV ኣብ መጻኢ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ዝኾነ ዓይነት ኩነታት ክኣሊ ዝኽእል ኣቐዲምካ ዝውሰዱ ስጉምቲታት ክወስድ ምግባር ኣገዳሲ እዩ” ክብል ወሃብ ቃሊ እቲ ትካል፡ ሄንሪክ ሄድበሪ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ናይ ኲናትን ቅልውላውን ኩነታት ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ፡ ኣብ “ቀረባ እዋን” ዝተተግበረ ኮይኑ፡ እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኩነታት እንዳገደደ እንድሕር ከይዱ ስጉምቲ ክወስድ ንከኽእሎ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

“ብኻልእ ኣበሃህላ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ብዛዕባ እቶም ሰብ-መዚ ኣንጻር እቲ ንሕና ክኸውን ዘይንደልዮ ፍጻመ ድሉዋት ክኾኑን ውጥናት ኣዳልዮም ንምጽናሕ ናይ ምርግጋጽ ጉዳይ እዩ” ክብል ሄድበሪ ጽሒፉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com