Thursday , March 28 2024

ምምሕዳር ከባቢ ኡርንኹልድስቪክ፡ ቤት ትምህርታት ዓጽዩ

እታ ፍርቂ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ምምሕዳር ቬስተርኖርላንድ፡ ብመልከፍቲ ኮሮና ዝተጠቕዑ ሰባት ከም ዘለዋ ዝንገረላ ምምሕዳር ከባቢ ኡርንኹልድስቪክ፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ንኹለን ልዕሊ ካልኣይ ደረጃ ዝኾና ቤት ትምህርታት፡ ክትዓጹ ከምዝተገደደት ሓላፊት ቤት ትምህርታት፡ ክሪስቲና ራስትባክ ን allehanda.se.ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

በዚ ውሳኔ መሰረት፡ ኩሎም ኣብዘን ቤት ትምህርታት ዝመሃሩ ተማሃሮ፡ ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሮም፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም፡ ብናይ ርሕቀት ኣገባብ ትምህርቲ፡ ክመሃሩ ምዃኖም ተሓቢሩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ቤት ጽሕፈት ተቖጻጻሪ ተመሓላለፍቲ ሓማማት እቲ ምምሕዳር ከባቢ፡ ኩሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ብመምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ክቕየዱን ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩን ጸዊዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com