Friday , April 19 2024
sr.se

ምምሕዳር ከተማታት ምስ ከንቲባ ሽወደን ዲሞክራት ናይ ምትሕግጋዝ ጉዳይ ይነጽግዎ።

ካብ ክልተ ምምሕዳራት ከተማ ደቡባዊ ሽወደን ምስ ሳልሳይ ምምሕዳር ከተማ ናይ ቤት ትምህርቲታት ምትሕግጋዝ ውጥን ሰሪዞሞ።

እዚ ዝገበሩ እቶም ጸረ ስደተኛታት መርገጺ ዘለዎም ሽወደን ደሞክራትስ ኣብኡ መንግስታዊ ስራሕ ክጅምሩ ስለዝኾኑ ።

ኣብ ኣውራጃ ብለኪንግ ደቡብ ሽወደን ከተማታት ካርልሻምን ኦሎፍስትሮም ከሙኡውን ሶልቭስቦርግ ኣብ ብዙሓት ሸነኻት እንተላይ ምውጋድ ጎድፍን ጒዳይ ህጹጽ ሓደጋን ብሓባር እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ክረምቲ ኣብ ብርኪ ካልኣይ ደረጃ ሓንሳብ ክሰርሓ ሓሳብ ኣቕሪቦም። በዚ መሰረት እዘን ምምሕዳራት ከተማ ማእከል ስልጠና ተመሃሮ ንምጥያስ ዓቕመን ከወሃህዳን ነዚ ድማ ቦታ ከዳልዋን ሓሳብ ቀሪቡ ኔሩ።

እንተኾነ ግና መስከረም እተኻየደ ምርጫ ኣብ ሶልቨስቦርግ ለዘብተኛ ዓቃባዊን ዴሞክራስያዊን ስርልፊታት ዝመርሑሉ ሓድሽ ፖለቲካዊ መሪሕነት ሒዛ መጺኣ።

ሕጂ ድማ ካርልሻምን ኦሎፍስትሮም ምስ ኣብ ብርኪ ካልኣይ ደረጃ ምስ ሶልቨስቦርግ ብሓባር ክሰርሕ ምንም ድሌት ኣየርኣየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com