Thursday , April 25 2024

ምምሕዳር ከተማ ሶልና ምስ ሓደስቲ መጻእቲ ዝነበሮም ውዕል ምስ ዝውዳእ ካብ ቤቶም የውጽእዎም ኣለዉ ተባሂሉ!!

ተሌቪዥን ሽወደን ምምሕዳር ከተማ ሶልና ምስ ሓደስቲ መጻእቲ ዝነበሮም ውዕል ምስ ዝውዳእ ካብ ቤቶም የውጽእዎም ኣለዉ ክብል ጸብጺቡ። በዚ ድማ ፍርቂ ካብቲ ምምሕዳት ከተማ ዝመደቦ ኣፓርትመንታት ባዶ ምህላዉ ተፈሊጡ። ብመሰረት ውሳኔ ዝሓለፈ መንግስቲ ምምሕዳራት ከተማ ሓለፍነት ሓደስቲ መጻእተኛታት ክወስዳ ኣለወን።

በዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ድማ ብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት ኣለዉ ተባሂሉ። ኣብ ስቶክሆልም ነባሪ መንበሪ ቤት ዝህብ ምምሕዳር ከተማ ዘይምህላዉን ካብ 26 ምምሕዳር ከተማታት ዛጊት 19 ውዕል ኣባይቲ ይውዳእ ምህላዉ ምግላጸን ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com