Friday , March 29 2024
Henrik Montgomery/TT

ምምሕዳር ከተማ Karlskorna ስቨርየ ዲሞክራተርና SD ዘቕረቦ ኣዛን ናይ ምኽልካል እማመ ነጺግዎ::

ምምሕዳር ከተማ Karlskorna ነቲ ስቨርየ ዲሞክራተርና SD ዘቕረቦ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ምእዛንን ሃይማኖታዊ ሰበኻ ምክያድ ክእገድ ዝብል እማመ ነጺግዎ።

ነዚ እማመ 39 ኣባላት ክነጽግዎ እንከለዉ 29 ደገፎም ሂቦም ኔሮም።

እስላማዊ ባህላዊ ማሕበር ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ክሰብኽ ብዝብል ሕቶ ፖሊስ ከም እተሰማምዓሉ ይፍለጥ።

እቲ ድምጺ ነበርቲ ዘይርብሽ እንተኾይኑ መሳጊድ ስብከት ከካይዳ ሰብመዚ ሽወደን ፍቓድ ሂቦም እዮም።

እቲ ሕቶ እቲ ድምጺ ምስቲ ነበርቲ ከባቢ ክርበሹ የብሎምን ዝብል ቅጥዒ ድምጺ ይሳነ ድዩ ዝብል እዩ።

ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝመጸት Sophia Ahlen ንጋዜጣ Blekinge Lans Tidning ኣብ ዝሃበቶ ቃል እዚ ኣርእስቲ ንነዊሕ ግዜ ምንጪ ኣዝዩ ርሱን ክትዕ ምንባሩ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com