Thursday , March 28 2024
Junge, Heiko/TT

ምምራጽ መራሒ መንግስቲ stefan löfven ቀሊል ከምዘይነበረ ተገሊጹ።

ባይቶ ሽወደን ንመራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት stefan löfven መራሒ መንግስቲ ክከውን መሪጽዎ።

ቀጽሪ ዓቃባውያን ንዴሞክራስያዊ ክርስትያናዊ ሰልፊ ክመርጹ እንከለዉ ጸጋማዊያን ሊበራላውያንን ማእከላይን ሰልፊታት ብተዓቅቦ ሓሊፎሞ ኣለዉ።

ውጺኢት እቲ ምርጫ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ኔሩ።

115 ድምጺ ን löfven

153 ኣንጻር löfven

77 ተዓቅቦ

ኣብ ግዜ ኣኼባ ዝነበረ ኣቃውማ ሰልፊታት መራሕቲ ማእከላይን ሊበራላውን ሰልፊታት ኣብ እዋን ምርጫ ባይቶ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ቀዳማይ ምርጭኦም ዘይምዃኑ እንተኾነ ግና ባይቶ ሓድሽ ጥምረት ምርካቡ በዚ ድማ እቲ ጥምረት ስለእተሳዕረን ካብ SD ሲቨርየ ዲሞክራተርና ድጋፍ ምርካብ ምሕሳብ ዘይክውንነታዊ ስለዝኾነን እዩ ኢሎም።

Henrik Montgomery/TT

መራሒ ሰልፊ ሞደራተርና Ulf Christersen ባይቶ ንጸጋማዊ ሰልፊ ክመርጽ እዩ፥ ቡኡ ኣቢሉ ድማ ጸጋማዊ ሰልፊ ብርቱዕ ጽልዋ ከሕድር’ዩ ዝብል ትጽቢታት ከም ዝነበሮ ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ ሽወደን ብጥምረት ሰልፊታቱ እንተትምራሕ ዝሓሸ ምንባሩ ብምግላጽ ንመንግስቲ löfven መርዓ ዘይፋተዉ ሰባት እዩ ኢሉ ገሊጽዎ።

መራሒ ናይቲ ሰልፊ ንጸጋማዊ ሰልፊ ዝኣተወቶ መብጽዓ እንተዘየተግቢራ ኣንጻር መንግስቲ löfven ዘለዎ ቅዋም ዳግማይ ከረጋግጾ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።

እዚ ምርጫ ከም ወትሩ ኣብቲ ዝነበረ ክርክራት ገለ ፍሉይ ብልሓት ፖለቲከኛታት ሽወደን ዝተራእየሉ እዩ ኔሩ።

ሓላፊ ሰልፊ ሳፋርያን ደሞክራቲክ(SD) Jimmie Åkesson ንሓላፊት ማእከላይ ሰልፊ (C) Annie Lööf ብኣዒንቱን ኩለንትናዊ ወስታኡን ክድህላ ይረአ ኔሩ።

እንተኾነ ግና እታ ብትሕትናን ህድኣትን እተመልኦ መልሳ እተልለ annie lööf ነቲ Jimmie Åkesson ወድይዎ ዝነበረ ክራቫት ምስ ክዳና ሓደ ዓይነት ሕብሪ ምዃኑ ብምውካእ ነቲ ባይቶ ብጣቕዒት መለሳ ክትህቦ ተራእያ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com