Saturday , April 20 2024
Janerik Henriksson/TT

ምድጋም ምርጫ 400 ሚልዮን ክሮኖር ክውድእ እዩ።

ኾሚሽን ምርጫ ስዊድን ምድጋም ምርጫ ኣብ ስዊድን ከምቲ ልሙድ ምርጫ ዝውድኦ ዋጋ ማለት 400 ሚልዮን ክሮኖር ከምዝውድእ ገሊጹ።ሓላፊት ምርጫ ኮሚሽን ዝኾነት ኣና ኒኮይስት ንዳገንስ ኒሂተር ዝተባህለ ጋዜጣ ከምዝሓበረቶ እቲ ኣሽጋሪ ዝኾነ ምድልውን ምዕዳልን መድመጺ ን ናውቲ ምርጫን እዩ።

ዝበዝሐ ባጀት ዘድልዮ ድማ ንኩለን ምምሕዳራት መድመጺ ወረቃቅቲ ከዳለዋን ክዕድላን ዝወጽእ ወጻኢ ኮይኑ ብተወሳኺ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ኣብ ግዜ ምርጫ እዩ።

መራሒ ሞደራት ፓርቲ ዝኾነ ኡልፍ ክሪስተርሰን ዝቅጽል ረቡዕ ኣብ ዝግበር ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ እንተዘይተዓዊቱን:ቀጺሉውን ሰለስተ ዕድላት ተዋሂብዎ እንተዘይተዓዊቱ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ናብ ዳግማይ ምርጫ ክኽየድ ከምዝኽእል ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com