Thursday , April 25 2024

ምስራዝ ጽምብል ዝኽሪ ሳዳም ሑሴን ኣብ ስቶክሆልም።

ህንጻ ምምሕዳር ስቶክሆልም ፎክሌት ንዝኽሪ ሳዳም ሑሴን ተባሂሉ ብሓደ ማሕበር ዒራቓውያን ዝተገብረ ምክራይ ኣዳራሽ ሰሪዙ።

ምምሕዳር ህንጻ ነዚ ምስራዝ ስለምንታይ ከም ዘካየዶ እንክገልጽ ” እቲ ማሕበር ምትእኽኻብ ዒራቓውያን ን 12 ዓመት ሞት ሳዳም ሑሴን ብሕቡእ እዩ ከካይዶ መዲቡ ኔሩ” ኢሉ።

” ኣዳራሽና ኣቐዲሞም ብምክራይ ኣማኢት ሰባት ዝርከብዎ ጉባኤ ከነካይድ ኢና ኢሎምና” ይብል ዳይረክተር ህንጻ ራግስቨድ ሊፍ ሮንገን።

“እዚኦም ደገፍቲ ሰልፊ በዓስ እዮም”። እንተኾነ ግና ምምሕዳር እቲ ህንጻ ከም ዝብሎ እቲ ጽምብል እተሰረዘሉ ምኽንያት ናይ ጸጥታ ስግኣት ኣሎና ስለዝበለ እዩ።

በዚ ድማ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ከም ዝመጹ ተጌሩ ኔሩ።

ዳይረክተር ህንጻ ራግስቨድ ሊፍ ሮንገን ነዚ ብምውሳንና ካብ ማሕበረሰብ ዒራቕ ናይ መፈራርሂ መልእኽቲታት በጺሑና’ሎ ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com