Thursday , March 28 2024
ምስጋና ካብ ኣልኮምፒስ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ

ምስጋና ካብ ኣልኮምፒስ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ

ዝኸበርኩም ተዓዘብቲ መደባትና ንኩሉ እትገብርዎ ተሳተፍነትን ንምሕያል እዚ መደብ እትህብዎ ዘሎኩም ርእይቶን ምትብባዕን ሃናጺ ነቐፌታን ኣዚና ነመስግን።

ኩሉ ክንፍንዎ ዝሓተትኩምናን ዝጠለብኩሞም መደባት ንምምልእ ዓበይቲ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ንርከብ ምህላዉና ክንሕብረኩም ደስ ይብለና።

ዝሓለፈ ዓርቢ ሓደ ካብ ተኸታተልቲ መደባትናን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ፈነወና ኣብ ኩሉ ንምብጻሕ ብማሕበራዊ ሚድያ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረን ዝገብር ዘሎን መንእሰይ መርከብ ዳንኤል ምስ ወላዲኡ ናብ ስቱድዮና ብምምጻእ ምትብባዕን ሰላምታን ኣብጺሑልና።

ንመንእሰይ ዳኒኤል ስለቲ ኣበርክትኡ እንዳመስገና ከተመስግንዎ ብመገድና ናባኹም ኣቢልናዮ ኣሎና። ቋንቋኻ ባህልኻን ኣብ ካልእ ሃገር ከም መሳርሒ መራኸቢ ዜና ኣብ ስራሕ ክዉዕል ዝፈጥረልካ ባህታ ዓቢ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ክትርድኦ ንእትደልዮ ጉዳይ፣ ኣፍካ ብዝኸፈትካሉ ቋንቋ ኣዴኻ ክቐርበልካ ዝህበካ ርግጸኝነትን ቅሳነትን ቀሊል ኣይኮነን።

መንእሰይ መርከብ፣ ብቋንቋታት ትግርኛን ሽወደንን ኣዛሪብካዮ፣ ብምልክት ዝህበካ መልሲ ክትርእይ እንኮሎኻ፣  ንሰርሖ ዘሎና ስራሕ ትርጉሙ ልዕሊ እቲ እንግንዘቦ ምዃኑ ኣብሪሁልና እዩ።

ስለዝኾነ ንብጽሖት መንእሰይ መርከብ ዳኒኤል ናብ ስቱድዮና ምስ ወላዲኡን፣ ኣዚና ነመስግን።

ንድሌት ምብጻሕ ሓዉና መርከብ ናብ ስቱድዮና ክዉን ክኸዉን ዝገበረ፣ ሓዉና ሳሚ ሓጎስን ምስ ብጻዩ ኣቤል ሚኪኤል፣ ንስለ ምትሕግጋዞም ኣመስጊንና ንኣመስገንቲ ነብሎም ኣሎና።  

ኣዳለዉቲ        


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com