Thursday , March 28 2024

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኦምዮ

ኣብ ከተማ ኦምዮ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ብሮሊምቢያ፡ ለበዳ ኮሮና ብምስፍሕፍሑ፡ 24 ተማሃሮን 3 መማህራንን ከምዝተለኽፉ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ምስፍሕፋሕ ናይቲ ለበዳ፡ ካብቲ ንቡር ብዝተፈልየ ኣገባብ ከምዝተመሓላለፈ፡ ሓለቓ’ቲ ቤት ትምህርቲ፡ ራስምሰን ዊንግቤሪ ገሊጹ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ፡ እቲ ዝግባእ ናይ ምክልኻል መስርሕ እኳ እንተ ሃለወ፡ እቲ መልከፍቲ ኮሮና፡ ብብሪጣንያዊ ጅር ዝተፈጥረ ክኸውን ከምዝኽእል ምምሕዳር’ቲ ቤት ትምህርቲ ይሕብሩ።

በቲ ዝተኸስተ ኣጋጣሚ፡ እታ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ከተካይድ ምዃናን እቶም ተማሃሮን መማህራንን ድማ ምስ ዘይ ስድራ ቤቶም ዝኾኑ ሰባት ክራኸቡ ከምዘይግባእ፡ ምምሕዳር’ቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣዘኻኺሩ።   


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com