Thursday , April 25 2024
Tomas Oneborg/SvD/TT

ምስ መጽሓፍቲ ንመሓዞ!!ብበሪሁሉ ብኣማን

ሕብረተሰብ ማይ ፍልጠት ብዝሰተዩ ኣባላቱ እዩ ሱር-በተኻዊ ለዉጢ ዘምጽእ። ቀንዲ ምንጪ ፍልጠት ድማ ትምህርቲ እዩ። ናይ መጀመርያን መወዳእታን ደረት ፍልጠት ግን ኣይኮነን።

ንከባቢኻን ሕብረተሰብካን ብግቡእ እንተንቢብካዮ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢይ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት እዉን መስተዉዓሊ፣ ንፉዕ ሰማዒን ትኩር ጠማትን ብምዃን ንህይወትካ ብኣወንታ ዘማእዝንን ዘናብረካን ፍልጠት ምምእራር ይከኣል እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣተኲርካ ምስ ሰባት ምዝታይን ምምኽኻርን ከምኡ’ዉን ኣብ ዓዉደ-መጽናዕቲ ምስታፍ ንገዛእ ርእሱ፣ ብዛዕባ ከባቢኻን ዓለምን ሰፊሕ መረዳእታ ንኽህልወካ ሓጋዚ እዩ።

እቲ ዘየቋርጽ ምንጪ ፍልጠት ግን መጽሓፍ እዩ። ምኽንያቱ መጽሓፍ በብግዚኡ እናማዕበለ፣ እናዓሞቐን እናተሓደሰን ዝኸይድ ምንጪ ሓበሬታ ስለዝኾነ።

መጽሓፍ ናይ ምንባብ ባህሊ ዘለዎ ሰብ ምስ ነፍስ-ወከፍ ስጒሚ ምዕባለ ዓለም ክጓዓዝ ይኽእል። ብመገዲ እቶም ዘንብቦም መጽሓፍቲ ኣቢሉ ከኣ ንነብሱ ወትሩ ምስ ሓዳስ ዓለም ብምልላይ ድሕሪት ካብ ምትራፍ ይድሕን።

ኣብዚ ሎሚ ዓለም ብምዕባለ እትሕምበበሉ ዘላ ዘመን፣ መሃምነት፣ ፊደል ዘይምቑጻር ጥራይ ዘይኮነ በብግዚኡ እናተሓደሰ ምስ ዝኸይድ ዓለም ክትላለ ዘይምኽኣል እዉን እዩ።

በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ዋላ እቲ ሊቕ ዘስሚ ትምህርቲ ዝተማህረ ሰብ ባህሊ ንባብ ክሳብ ዘይሃለዎ ካብ መሃይማን ኣይፍለን እዩ ዝበሃል።

ንባብ መግቢ ኣእምሮ ስለዝኾነ ኩሉ ከንብብ ዝኽእል ሰብ ከንብብ ኣለዎ። መጽሓፍ ናይ ርሑቕን ቀረባን ረዘንቲ ሓሳባት፣ ቁም-ነገር ሓዘል ሃብታም ዉርሻታት፣ ከምኡ’ዉን ታሪኽን ባህልን ሕብረተሰባት እንፈልጠሉ ሚድያ እዩ።

ምንባብ ፍልጠት ተኻዕብተሉ፣ ምኽሪ ትረኽበሉ፣ ልቦናኻ ተስፍሓሉ። እዚ ከኣ ዳርጋ ብጥርሑ ዝርከብ እዩ። እቲ ምንታይ፣ ኣብ ዓለም ክሳብ ሕጂ ዋጋ ናይ ማሕተም እምበር ዋጋ መጽሓፍ ዝኸፈለ ሰብ የለን።

ዋጋ ናይቲ ካብ መጽሓፍ ዝርከብ ልቦናን ቁምነገርን ብዋጋ ናይቲ መጽሓፍ ዝሽነን ኣይኮነን።

መጽሓፍ ምንጪ ኩሉ ዓይነት ሓበሬታ ስለዝኾነ ንክብርታት ሕብረተሰብካ ዘዕኑ ሓበሬታታት’ዉን ጸይሩ ክመጸካ ስለዝኽእል ግን ብጥንቃቐ ክንበብ ኣለዎ።

ንኹሉ ዓይነት መጽሓፍቲ ንምንባብ እኹል ግዜ’ዉን ስለዘየለ መራጺ ኣንባባይ ምዃን የድሊ። ንትሕዝቶ መጽሓፍ ብኣግኡ ናይ ምምዛን ዓቕሚ እንተዘይ ኣማዕቢልካ መጽሓፍ ብምንባብ ካብ እትኸስቦ እትኸስሮ ክበዝሕ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ሰባት እዮም ዝጽሕፍዎ። ጸሓፍቲ ድማ ነናቶም ኣመለካኽታ ሒዞም እዮም ዝጽሕፉ። እቲ ብንባብ እትረኽቦ ፍልጠት ከኣ ዉዒሉ ሓዲሩ ናብ ተግባር ተሰጋጊሩ ንነብስካን ከባቢኻን ዝጠቅም ክኸዉን እኳ እንተለዎ ኣብ መጻሕፍቲ ንዘዝረኸብካዮ ሓበሬታ ጥቕሙን ጉድኣቱን ከይመመኻ ክትትግብሮ ኢልካ ዘይምብጋስ ልቦና እዩ።

ልዕሊ ኹሉ ድማ ዘዘንበብካዮ መጽሓፍ ካብ ሕብረተሰብካ ነጺሉ ዘንብረካን ኣብ ህንጸት ሕብረተሰብካ ኣሉታዊ ተራ ንኽህልወካ ዝድርኽን እንተኾይኑ ምንባብካ ትርጉም ኣይህልዎን። ኣብዚ ዘመን’ዚ ምንባብ እንትርፎ ድሌትን ኣኻእሎን ካልእ ዝጠልቦ መለክዒታት የለን። ብኸመይ ተንብብ’ዉን ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን። ‘እንታይ ተንብብ?’ ዝብል ሕቶ ግን ንኹሉ ኣንባባይ ብማዕረ ዘገድስ ሕቶ እዩ።

ንባብ ናይ ዕድመ ገደብ የብሉን። ግዜ ኣይፈልን እዩ። ዝኾነ ሰብ ካብታ ፊደል ክቖጽር ዝጀመረላ ዕድመ ጀሚሩ ክሳብ’ታ መወዳእታ ካልኢት ናይ ህይወቱ ከንብብ ይኽእል እዩ። ምስ ምትእትታዉ መሳለጥያታት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፣ ኣብዚ እዋን ናይ መበሃሃሊ ኣገባባት ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ተጠቃምነቶም በዚሑ ኣሎ።

ብእኡ መጠን ድማ ካብ መጽሓፍቲ ወጻኢ ብኻልእ ኣገባብ ዝመሓላለፍ ሓበሬታ ብዝርግሐን ተቐባልነትን እናሰሰነ ብምኻዱ መጽሓፍ ሓደጋ ሞት የንጸላልዎ ከይህሉ ስክፍታታት ፈጢሩ ኣሎ። ምስ ካልኦት ናይ ሓበሬታ መተሓላለፊ ኣገባባት ክነጻጸር እንከሎ ግን መጽሓፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ብልጫታት ኣለዎ።  

መጽሓፍ ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ሒዝካዮ ክትንቀሳቐስ እትኽእል ናይ ሓበሬታ ኮንቴነር እዩ። ኣብ ዝመረጽካዮ ሰዓትን ቦታን ተንብቦ። ብካልኣይ ደረጃ ኣብ መጽሓፍ ዝሰፍር ሓበሬታ ዝበዝሕ እዋን ምሉእ እዩ።

ዘይከም’ቲ ብመገዲ መጽሄትን ጋዜጣን ዝዝርጋሕ ሓበሬታ፣ ዓሚቕ ምርምርን ሰፊሕ ትንታነን ዝሓቖፈ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ዘይምሉእ ወይ ቁንጫል ሓበሬታታት ጥራይ ሃሰዉ ምባል ከኣ ሃካይ እዩ ዝገብረካ። ብኣቋራጭ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ህንጡይነት የሕድረልካ።

ኣብ ክንዲ ዓቕሊ ጌርካን ኣኮማሲዕካን ንኹሉ ኩርናዓት ኣጠማምታ (Perspectives) ዘማልእ ሓበሬታ ምዉሓጥ፣ ላህመታዊ ሓበሬታ ጎሲምካ ንዕላል ከም እትጓየ ይገብረካ። Magazine Knowledge ወይ ድማ Tabloid I.Q ዝብል ኣበሃህላ ድማ ነዚ እዩ ዝገልጽ።

“ናይ ምንባብ ባህሊ ምጥራይ ካብ ጭንቅን መከራን ህይወት ዝገላግል መዕቆቢ ከም ምህናጽ እዩ” ይብል ውሩይ ጸሓፊ ዊልያም ሶመርሴት ሞጋም።

ፍሬደሪክ ዳግላስ ብወገኑ፦ “ብኸመይ ከም እተንብብ እንተፈሊጥካ ናጻ ሰብ ኴንካ ኣለኻ ማለት እዩ” ብምባል’ዩ ንጥቕሚ ንባብ ዝገልጾ። ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ኣብ ዓለምና ዝተመዝገቡ ቁጠባዊ፣ ባህላዉን ማሕበራዉን ለዉጥታት፣ ዉጽኢት ባህሊ ንባብ ከም ዝኾኑ ብ1976፣ 1986ን 1993ን ዝተኻየዱ ኣህጉራዊ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ሃገራት ኣብ ህዝበን ኣዉራ ድማ ኣብ መንእሰያት፣ ባህሊ ንባብ ንምስራጽ ወፍርታት ዘካይዳሉ ምኽንያት ድማ ባህሊ ንባብ ዘይምህላዉ ቀንዲ ዕንቅፋት ንፖለቲካዉን ቁጠባዉን ህንጸት ሃገር ስለዝኾነ እዩ። ምንባብ ብደረጃ ዉልቀ-ኣንባባይ ዘለዎ ረብሓታት እዉን ብዙሕ እዩ’ሞ ሃየ ደኣ ምስ መጽሓፍቲ ንመሓዞ!!

በሪሁሉ ብኣማን


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com