Friday , March 29 2024
Magdalena Andersson presents a new jobs policy, which the Social Democrats' Congress will decide on.

ምስ ምእታው ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ርሱን ፖልርቲካዊ ክትዓት ይሳለጡ’ለዉ።

ቅድሚ ኣብ ጽድያ ዝኣቱ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዝርሱን ክትዓት፡ ተቓወምቲ ሰልፊትት ንመሪሕነትን ፖሊሲታትን መንግስቲ ምንቃፎም ይግለጽ ኣሎ። መራሒ ዓቃባዊ-ለዘብተኛ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሶን ኣብቲ ክትዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን 95 መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ምስ ምህላዉ “ተወሳኺ ዝባኸነ ናይ ስልጣን እዋን ይውዳእ ምህላዉ” ኣመልኪቱ። መራሒት ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ቀዳመይቲ ሚኒስተርን ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ን ሙቐት እቲ ክትዕ ተረጋግእ ምንባራ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜያት ንኣባልነት NATO ሕቶ ምቕራባ ኣብ ተኣፋፊ ጸጥታዊ ኲነታት ምህላዋ ዘመልክት ምዃኑ ምግላጻ ወሲኻ ሓቢራ። “ንረብሓ ሽወደን ንቕድሚት እናጠምትና ብሓብር ክንሰርሕ እቲ ዝበለጸ እዩ” ኢላ’ላ-ማግዳሌና ኣንደርሾን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com