Thursday , April 25 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ምስ ሩስያ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ን ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ከም ዝዓብለሎ ተገሊጹ።

ሎሚ ዝቐጸለ ክትዓት ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ብሰንኪቲ ብተጻብኦ ሩስያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ጸጥታ ኣውሮጳ ዝተደረኸ ምዃኑ ተገሊጹ። ነቲ ክትዓት ብመደረ ዝኸፈተት ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ተጻብኦታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ፍጹም ተቐባልነት የብሎምን ድሕሪ ምባል ጸጥታን ምርግጋእን ሽወደን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ጒዳይ ዘይምዃኑ ኣስሚራትሉ። ሽወደን ምስ ረብሓ ሃገራ ብዝሰማማዕ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ናይ ምቕራጽ መሰል ከም ዝለዋ ዝገለጸት እታ ሚኒስተር “ሩስያ ብ ጎነጽን ምፍርራህን ን ፖሊሲ ሃገራት ክትቆጻጸር ኣይትኽእልን እያ” ኢላ። ” ሉኣላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ዩክሬይን ከይድፈር ምክልኻል ንጸጥታ ኣህጒር ኣውሮጳ ኣገዳሲ እዩ ፥ ዲፕሎማሲን ልዝብ ጸንቂቕና ክንጥቀመሉ ዝግባእ ኣማራጺ እኳ እንተኾነ ሩስያ ናይ ጎነጽ መንገዲ እንተስዒባ እንታይ ክንገብር ከም ዝግባኣና እውን ክንሓስበሉ ዝግባእ ጒዳይ እዩ፥ ሽወደን ኣብ ከምዚ ዝበለ ጒዳይ ተራ ተዓዛቢት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ” ክትብል እታ ሚኒስተር ወሲኻ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com