Friday , March 29 2024
Foto: Henrik Montgomery / TT / kod 10060

ምስ ናዕቢ ፋስጋ ብዝተሓሓዝ ሓደ ሰብኣይ ተፈሪዱ።

ኣብ ክሊ ዕድመ ሰላሳታት ዝርከብ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት፡ ኣብ ሪንክቢ (ስቶክሆልም)፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ብዝተኸስተ ናዕቢ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ከም እተፈረደ ተገሊጹ። ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዋዜማ ፋስጋ፡ ኣብ ሽዱሽተ ከተማታት ሽወደን ድሕሪ ዘጋጠመ ጎነጻዊ ናዕቢ፡ እዚ ሰብኣይ ናይ ፈለማ ተፈራዲ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ሕሉፍ የማናዊ ራሙስ ፓሉዳን፡ ኣብ እኩብ ህዝቢ ቅዱስ ቊርኣን ናይ ምቅጻል ፕሮግራሙ ናዕቢ ምልዕዓሉ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com