Friday , April 19 2024

ምስ ዳዕሽ ብዝነበራ ርክብ ሓንቲ ሽወደናዊት ትኽሰስ!!

29 ዓመት ዝዕድሚኣ ሽወደናዊት ምስ ዳዕሽ ርክብ ኔርዋ ብዝብል ጠርጠራ ጽባሕ ሰንበት ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝትከብ መጋባእያ ቤትፍርዲ ክትቀርብ እያ ክትብል ተሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ። ብሕጊ ዒራቕ እዚ ናይ ብዙሕ ዓመታት ማእሰርቲ ወይ ሞት ከቕጽዕ ዝኽእል ገበን እዩ። እዛ ሃይማኖታ ናብ እስላም ዝቐየረት ሰበይቲ ኣብ 2014 ምስ ክልተ ደቃ ናብ ዒራቕ ምጒዓዛን ምስቲ ኣብ መሳርዕ ዳዕሽ ዝቃለስ ዝነበረ ሰብኣያ ተራኺባ ሳልሳይ ቈልዓ ምውላዳን እቲ ጸብጻብ ይሕብር። እዛ ሰበይቲ ኣቐዲማ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ግዝኣት ዒራቕ ብምእታዋ ተኸሲሳ ን 6 ኣዋርሕ ተኣሲራ ተፈቲሓ ምንባራ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com