Thursday , April 25 2024
Foto: Geir Eriksen / NTB

ምስ ጎነጻዊ ናዕቢ ውድብ SIAN ብዝተኣሳሰር 10 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣብ ሳንደፍዮድ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ብ ውድብ SIAN ምስ ዝተኻየደ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር፡ ዓሰርተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።

እዞም ሰባት፡ ትእዛዛት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ምጥሓሶም፡ ኣብ ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምፍጻሞምን ንብረት ብምዕናዎምን እዮም ተኸሲሶም ዘለዉ ክትብል፡ መደበር ዜና ኖርወይ NRK ጸብጺባ’ላ። “ምስፍሕፋሕ እስልምና ኣብ ኖርወይ ደው ይበል” ዝብል ጭርሖን ሒዙ ዝንቀሳቐስን ሕሉፍ ጽልኢ እምነት እስልምናን ከም ዘለዎ ዝንገረሉ ውድብ SIAN፡ ዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ቶርቨት ሳንድየፎርድ ናዕቢ ዝመልኦ ሰልፍ ምክያዶምን ቅዱስ ቊርኣን ምቅጻሎምን ኖርወይ ቱደይ ምጽብጻባ ዝዝክር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com