Friday , March 29 2024
Larsen, Håkon Mosvold/TT

ምቅይያር ሰዓታት ኣይትረስዑ!!

ኣብዚ ዓመት’ዚ እቲ ኣቆጻጽራ ሰዓታት ስዊድን ጥቅምቲ 28 ናብ ሰንበት ዘውግሕ ለይቲ ናብቲ ንቡር (standard) ኪምለስ እዩ።

ከም ዚፍለጥ፡ ኣብዚ ዓመትዚ ኣብ ወርሒ መጋቢት እቲ ኣቆጻጽራ ብሓደ ሰዓት ወሲኹ ነይሩ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ወርሓት ሓጋይ፡ ጸሓይ ቀልጢፋ ስለ እትወጽእን፡ ደንጕያ ድማ ስለ እትዓርብን፡ ንግሆ ሰዓት 7 ተንሲእካ ንስራሕካ ትኸይድ ዝነበርካ፡ ነቲ 7 ናብ 8 ምስ ቀየርካዮ ነቲ ብርሃን ትጥቀመሉ ኣሎኻ ማለት እዩ፡ ማለት ብርሃን እናሃለወ ኣብ ዓራት ኣይትጸንሕን።

ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ እቲ ናይ ሓጋይ ኣቆጻጽራ ደኣዩ ዚቕየር ዘሎ እምበር፡ እቲ ናይ ክረምትስ ደረጃኡ ዝሓለወ እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ እቲ ለውጢ ኣብ ምውሳኽ እምበር ኣብ ምጕዳል ኣይኮነን።

እዚ DST ወይ ናይ ደይላይት ሰይቪንግ ታይም ዚብሃል ኣገባብ ኣቆጻጽራ፡ ብመሰረቱ በቲ ኣብ ሃገር ፈረንሳ ናይ ኣመሪካ ኣምባሳደር ዝነበረ በንጃሚን ፍራንክሊን 1784 እዩ ተሓሲቡ። ቀስ እናበለ ድማ ኣብ ግብሪ ውዒሉ።

ይኹንምበር፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነዚ ናይ ምውሳኽ ሰዓታት ኣገባብ ደው ከተብሎ ትሓስብ ከም ዘላ ምንጭታት ይሕብሩ።

ዝኾነ ኾይኑ ክሳዕ እቲ ውጽኢቱ ዚፍለጥ፡ ኩሉ ሰብ ነዘን ክልተ ኣብ መጋቢትን ጥቅምትን ዚካየዳ ዘለዋ ለውጥታት ኣቐዲሙ ብምፍላጥ፡ ካብ ጌጋ ቆጸራታትን፡ ካብ ናይ ነፋሪትን ባቡራትን ምምላጥን ዘይድሊ ጸገማትን ኪድሕን ይኽእል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com