Thursday , April 25 2024
MOHAMED EL-SHAHED/TT

ምእንጋድ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019 ንግብጺ ተዋሂቡ!

ምእንጋድ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019  ካሜሮን ንኸተእንግድ ዕድል ተዋሂብዋ እንተነበረ ኮንፈደረሽ ኩዑሶ ኣግሪ ኣፍሪቃ(ካፍ) እኹል ምድልዋት ኣይገብረት ብምባል ሎሚ ኣብ ዝገብሮ ዋዕላ ን ሃገረ ግብጺ ንኸተዳልው ዕድል ሂቢዋ።

ግብጺ ነዚ ዕድል ዝረኽበት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፈሪቃ  ሎሚ ኣብ ሰኔጋል ኣብ ዝገብሮ ዋዕላ ን ደቡብ ኣፍሪቃን ብድምጺ ብልጫ ብምስዓር እያ ተዓዋቲት ክትከውን ዝኸኣለት።

እዚ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰኔ ዝካየድ ውድድር ን 24 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ ኮይነን ግብጺ ን 6 ግዜኣ ነዚ ውድድር ከታዳሉ ዕድል ረኺባ። ከምዝፍለጥ ኣብ 2006 እውን ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ሀገረ ግብጺ እዩ ተኣንጊዱ።

ሸውዓተ ግዜ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ብምዕዋት ጉንን ስም ዘልዋ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ሕጂ እውን ብ ኾኸብ ተጻዋታያ መሓመድ ሳላሕ ተስንያ ን 8ይ ግዜ ብምዕዋት ሓዱሽ ታርኽ ንኸተስፈር ጹቡቅ ዕድል ኮይኑላ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ ን 2023 ንዋንጫ ኣፍሪቃ ንኸተዳሉ ዕድል ረኺባ ዝንበረት ጊኒ ብወገና ብሰንኪ ፋይናንሳዊ ጸገም ኣብ ክንዲ 2023 ን ኣብ 2025 ዝካየድ ውድድር ክወሃባ ሓቲታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com