Wednesday , April 24 2024

ምክልኻል ኣድልዎ(ኣፈላላይ)

ኣብ ሽወደን ንኣድልዎ(ኣፈላላይ) ምክልኻል፡ ሰብኣዊ ግዴታ ወይ ሓላፍነት እዩ። ኣድልዎ ወይ ኣፈላላይ፡ ማለት ገለ ሰባት ወይ ጒጅለታት፡ ካብ ካልኦት ብዝተሓተ ኣገባብ ወይ ኲነታት ይርኣዩ ማለት እዩ። እዚ ድማ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት እዩ።​


ወኪል ማዕርነት (Diskrimineringsombudsmannen)
ወኪል ማዕርነት (Diskrimineringsombudsmannen, DO): ንምዕሩይ መሰላትን ዕድላትን ኲላቶም ሰባት ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካል እዩ። ንሱ፡ ንሕጊ “ኣንጻር ኣድልዎ” ኣብ ግብሪ ከውዕል ግቡኡ እዩ።

ብመሰረት ሕጊ “ኣንጻር ኣድልዎ”፡ ሓደ ትካል ወይ ውድብ፡ ንገለ ሰባት፡ ብመሰረት ጾታን ጾታዊ ዝንባለን ወይ ጾታዊ ርእይቶ፡ ሃይማኖት ወይ እምነት፡ ዕድመ፡ ዓሌት፡ ስንክልና ወይ ጾታዊ መርገጺ፡ ካብ ካልኦት ኣትሒቱ ክርኢ ኣይግባእን።

ቦታታት ስራሕን(ትካላት)፡ ኣብያተ ትምህርትን፡ ግድን ናይ “ጸረ-ኣድልዎ” መደብ ክህሉወን ኣለዎ። ኣድልዎ እንተ’ጋጢሙካ፡ ምስ ወኪል ማዕርነት (DO) ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ሽወደን፡ ብርክት ዝበላ ናጻ ዝኾና ከባቢታት(ንኡሳን ምምሕዳራት፡ ገዛውቲ ወይ እንዳ)፡ ከምኡ’ውን ኣውራጃዊ ናይ ጸረ ተነጽሎ(ምጉናይ) ኣብያተ ጽሕፈት ኣለዋ። እዘን ኣብያተ ጽሕፈት’ዚኣተን፡ ነቶም ግዳያት ተነጽሎ ዝኾኑ ሰባት፡ ምኽርን ደገፍን ይልግሳ።


ብዛዕባ ጾታን ጾታውነትን ዘሎ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት፡
ኩሉ ሕብረተሰብ፡ ሰባት ከመይ ገይሮም ክነብሩ ከም ዘለዎም ዘርእዩን ዝነግሩን ኣብ ጽሑፍ ዘይሰፈሩ ሕግታትን ደምብታትን ኣለውዎ። እዞም ሕግታትን ደምብታትን’ዚኣቶም፡ ኣየናይ እዩ ቅኑዕ ወይ ዘይቅኑዕ ብምባል ዝሕብሩ፡ ሰባት እንታይ ባህርታት ክህልዉዎም ከም ዘለዎም ዝገልጹ፡ ርእይቶታትን ሓሳባትን እዮም። ገለ ሕብረተሰባት፡ ‘ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን በበይኖም ስለዝኾኑ ነናቶም ደምብታት ኣለዉዎም’፡ ዝብል ኣረኣእያታት ኣሎዎም። ደምብታትና፡ ኣረኣእያታትና ኣብ ጾታታትን ዝምድናታትን’ውን ይጸልዉና’ዮም። መብዛሕቱ ሰብ፡ ኣብ ተቓራኒ ጾታዊ ኣተሓሳስባ ጥራይ የተኩር ስለ ዘሎ፡ ንነገራት ኣዝዮም ከበድቲ ይገብሩዎም ኣለዉ።

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ኩሉ ሰብ መምስዝደለዮ መጻምዲ ክምርዖን ክነብርን መሰል ኣሎዎ። ንሓደ ሰብ፡ ንጾታዊ መንነቱ ዝውስኖ ስምዒቱ እዩ። ጾታዊ መንነት፡ ምስ ኣካል ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን። ምስ ስምዒት ዝተኣሳሰረ እዩ። ስለዚ፡ ኩሉ ሰብ ንጾታዊ መንነቱ ዝውስኖ ባዕሉ’ዩ።


ናጽነት እምነት
ሽወደን፡ ካብ 1951 ዓ/ም ኣትሒዙ ‘ናጽነት እምነት’ ኣሎዋ። ናጽነት እምነት ማለት፡ ዝደለኻዮ ዓይነት ሃይማኖት መሪጽካ ምእማን ማለት’ዩ። ናጽነት እምነት፡ ኣብ ሕገ መንግስቲ ሽወደን፡ ሓደ ካብ’ቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ መሰላት እዩ ዝጽብጸብ። ኣብ ሓያለ ዓለምለኻውያን ውዕላት፡ ንኣብነት ኣብ ሓፈሻዊ ኣዋጅ ሰብኣውያን መሰላትን ውዕል ህጻናትን ናይ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት ሓበሬታ’ሎ። መንግስቲ፡ ንናጽነት እምነት፡ ከኽብር፡ ክከላኸልን ክሰርሕን ኣለዎ።

ኲላቶም ደቅሰባት፡ እምነቶም ክመርጹ: ክቕይሩን ክገድፉን መሰል ኣሎዎም።
ኲላቶም ደቅሰባት፡ እምነቶም ክኽተሉ ወይ ብተግባር ክጥቀሙሉ መሰል ክህሉዎም ኣሎዎ። እዚ ማለት ከኣ፡ ንኣብነት ኩሉ ሰብ፡ ሃይማኖታዊያን ማሕበራት ናይ ምቛም መሰል ኣሎዎ ማለት’ዩ።
ኲላቶም ደቅሰባት፡ ሓበሬታ ክጽሕፉን ጋዜጣ ክሓትሙን መሰል ኣሎዎም።
ኲላቶም ደቅሰባት፡ ትምህርቲ ሃይማኖት ክምህሩን ሃይማኖታውያን በዓላት ከኽብሩን መሰል ኣሎዎም።
ዝኾነ ሰብ፡ ብሰንኪ እምነቱ ግዳይ ኣድልዎ ክኸውን የብሉን።
ወለዲ፡ ብመሰረት እምነቶም፡ ንደቆም ብሃይማኖታዊ ኣገባብ ከዕብዩ እንተደልዮም መሰል ኣሎዎም።
ወሃብቲ ስራሕ፡ ሰራሕተኛታቶም፡ ኣብ ቦታ ስራሕ፡ እምነቶም ከተግብሩ እንተደልዮም ክገድፉዎም ኣገዳሲ እዩ።

ዓሌታዊ ምትእስሳር [Etnisk tillhörighet]
ኣብ ሽወደን፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኡ ሰባት ኣሎዉ። ዓሌታዊ ምትእስሳር ማለት ከኣ፡ ኩሉ ሰብ ነናቱ መበቆል ባህልን ቀቢላን ኣሎዎ ማለት እዩ። ኩሉ ሰብ፡ ሓደ ወይ ብዙሕ ዓሌታዊ ምትእስሳር ኣሎዎ። ብዓሌት ምኽንያት ብሕማቕ ዓይኒ እንተተራኢኻ ወይ እንተተታሒዝካ፡ ኣድልዎን ንሰብኣዊ መሰላት ዘፍርስን ገበን እዩ።

ስንክልናን ተቐባልነትን
ብዙሓት ሰባት፡ ሓደ ወይ ካብኡ ዝበዝሕ ስንክልና ኣሎዎም። ሓደ ሰብ ንኣብነት፡ ናይ ምርኣይ፡ ምዝራብ፡ ምስማዕ፡ ምርዳእ፡ ናይ ምንቅስቓስ ወይ’ውን ናይ ኣተኲሮ ጸገም ክህሉዎ ይኽእል’ዩ። ሕብረተሰብ ግን፡ ንኹሉ ንምሕቋፍ ድሉው ክኸውን ኣለዎ። እዞም ስንክልናዊ ጸገማት እዚኣቶም፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ንጥፈታት ካብ ምስታፍ ከሰናኽሉዎም የብሎምን። እቶም ብመደያይቦ ክኸዱ ዘይክእሉ ሰባት፡ ኣብ ህዝባዊ ቀጽርታት ኣትዮም ብዘይዝኾነ ጸገም ምእንቲ ክንቀሳቐሱ ነቲ ቀጽርታት ህንጻዊ ምምችቻኣት ምግባር ገለ ካብ’ቶም ብሕብረተሰብ ክውሰዱ ዝግብኦም ሓቖፍቲ ወይ ሓወስቲ ተበግሶታት እዮም።

ዕድመ
ኣዚኻ ዝሸምገልካ፡ ወይ ኣዚኻ ንእሽተይ ብምዃንካ፡ ብሕማቕ መገዲ ክትታሓዝ እንከለኻ፡ ንባዕሉ ኣድልዎ እዩ። ኣረግቶትን ነኣሽቱን፡ ብሓደ ዓይኒ ክረኣዩ ከም ዘሎዎም ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተወሰኑ ነገራት ግን ገለ ፍልልይ ከም ዘሎዎም ዝነግር ሕግን ስርዓትን ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ዝተወሰነ ናይ ዕድመ ገደብ፡ ሓደ ሰብ፡ ፍቓድ ምዝዋር ማኪና ወይ ኣልኮል ምስታይ ይኽልከል እዩ።

ምንጪ: information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com