Friday , April 19 2024
Foto: Paul Wennerholm / TT / kod 12110

ምውህሃድ ስደተኛታት ምፍሻሉ መንግስቲ ተኣሚኑ።

ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት እተቐበለቶም ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ምውህሃድ ብዘይምዕዋታ፡ ተመዓደውቲ ሕብረተሰብን ጒሒላታትን ንኽፍጠሩ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ገሊጻ።

ንሳ፡ ብሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ከምኡውን ሚኒስተር ሰደተኛታትን ምውህሃድን ኣንደርሽ ይግማን ተማእኪላ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዋዜማ ፋስጋ ኣብ ብርክት ዝበላ ከታማታት ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ልዕሊ 100 ፖሊስ ክጒድኡ ዝገበሩ፡ እዞም ጒሒላታት እዮም ኢሎም። “ኣብ ሓደ ሃገር እኳ እንተሃለና፡ እቲ ምምዕዳው ሕብረተሰባት ግና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክውንነታት ንነብር ዘለና እዩ ዘምስለና ዘሎ፡ እዚ ክኸውን ዝገብር ዘሎ ድማ፡ ምውህሃድ ስለ ዘይተዓወተ እዩ” ክትብል ኣንደርሾን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com