Friday , March 29 2024
Credit: Scanpix/Stian Lysberg Solum/Pressens Bild

ምዝገባ ባህሊ ሽወደን መጥፍኢ ግዜን ጸዓትካን እዩ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ

መንግስቲን “ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን” ን ሓድሽ ቀኖና (ሕጊ) ባህሊ ሽወደን ከተኣታትዉ ከም ዝደልዩ ተገሊጹ። በዚ ድማ
ዝተፈላለየ ዓይነት ባህላዊ ስርሓት ብናጻ ሽማግለ ክኢላታት ክጥርነፍ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ብኸመይ ኣብ ትግባረ ክውዕል እዩ
ዝብል ግና ንጹር መስርሕ ኣይተቐመጠሉን። እዚ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ንዝወሃብ ትምህርቲ መሰረት ክኸውን ድዩ ወይስ
መመርመሪ ሕቶ ዜግነት እዩ ዝብል ዛጊት ብንጹር ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ሬድዮ ሽወደን ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎም ደገፍን ተቓውሞን ንምስማዕ ንገለ ዜጋታት ቃለመሕትት ኣካዪዳ ኔራ። ገለ ካብዞም ሰባት እዚ
ሕጊ ባህሊ ካብዚ ዘለዎ እናሰፍሐ ክኸይድ ዝኽእል ብምዃኑ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ እንክለዉ፥ ካልኦት ግና ምንም ውጽኢት ዘይርከቦ
መጥፍኢ ጸዓት እዩ ክብሉ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ።
ሬድዮ ሽወደን ነዚ ርእይቶታት መሰረት ብምግባር ኣብ ዩኒቨርሲታትን ኮሌጃትን ሚኒሶታ፡ በርሊን፡ ኮፐንሃገንን ሄልሲንኪን ዝርከቡ
መማህራን “መጽናዕቲታት ስካንዲናቭያ” ኣዘራሪባ’ላ። ሓደ ካብዚኣቶም ኣብ ሚኒሶታ ዝምህር ደቪድ ዮሴፕ፡ እዚ ዕዮ ኣብ ናይ

ምስትምሃር ስርሑ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ ኢሉ ከም ዝሓስብ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና እዚ ንሰፊሕን ብዙሕነትን ባህሊ ዘሳሲ ኣይኮነን
ክብሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com