Friday , April 19 2024

ምይይጥ ሰላም የመናውያን ሎሚ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ቀጺሉ::

እቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ኣብቲ ናይ ትማሊ ምይይጥ ምሩኻት ኲናት ንምልውዋጥ ብምስምምዖም እቲ ዘተ ሰላም ጩራ ተስፋ ዝተራእየሉ እኳ እንተኾነ ኣብዛ ብኲናት ተመናኒሃ ዘላ የመን ሰላም ንምርግጋጽ ግን ነዊሕ ጉዕዞ ከም ዝሓትት ይግለጽ።

እቶም ዓለወኛታት ካብታ ኣብ ምዕራብ የመን እትርከብ ከተማ ሑዴዳ ዘየንሳሕቡ እንተኾይኖም ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም ኣማራጺ ከም ዝውሰድ ኣባል ልኡኽ መንግስቲ የመን ዝኾነ በዓል ስልጣን ኣብቲ ብሓልዮት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስቶክሆልም ዝካየድ ዘሎ ምይይጥ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣባል ናይቲ ንመንግስቲ የመን ወኪሉ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ዘሎ ኣማኻሪ ፕረዚደንት የመን ዝኾነ ዓንዱልዓዚዝ ጃባሪ፡ መንግስቲ የመን ንወደብ ሰንዓ ዳግም ንኣገልግሎት ክፉት ክገብሮ ድሉዉ ምዃኑ፡ መን ከም ዝቈጻጸሮ ግን ክውሰን ከም ዘለዎ ገሊጹ።

“ንሕና ጻውዒት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሕቡራት ሃገራትን ፍሉይ ልኡኹን ኣኽቢርና ኣብዚ ዘተ ንሳተፍ ኣለና። ገና ብዛዕባ መትከላት ናይቲ ዝርርብ ሰላም ኢና ንዝቲ ዘለና” ብምባል ሚኒስተር ሕርሻ ዑስማን ሙግሊ ይገልጽ። ምስዚ ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ካብቶም ሰብ ጉዳይና ኣወንታዊ ምላሽ እንተዘይረኺብና ንወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዘጠቓልል ብዙሕ ኣማራጺታት ኣለና። ድሉዋት ከኣ ኢና” ይብል።

ነቲ ኣብ ዓለምና ዝኸፍአ ምዃኑ ዝንገረሉ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ደማዊ ኲናት የመን ደው ንምባል ኣብ መንጐ መንግስቲ የመንን ተቓወምቱን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ድሕሪ ክልተ ዓመት ፈላሚ ርክቡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣካይዱ። እቲ ዘተ ብዛዕባ ዕጫን ማርሳን ናይታ ቀንዲ መትኒ ህይወት ሚልዮናት የመናውያን ዝኾነት ከተማ ሑዴዳ ክዝቲ ትጽቢት ይግበረሉ።

ዳግማይ ምኽፋት ናይቲ ብሰንኪ ኲናት ንዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኣህጒራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሰንዓ እውን ሓደ ካብቲ ናይ ዘተ ኣጀንዳታት ክኸውን እዩ። እቶም ሑቲ ብዝብል ስም ዝፍለጡ ተቓወምቲ ካብ 2014 ኣትሒዞም ንርእሰ ኸተማ ሰንዓ ዝተቑጻጸርዋ ክኾኑ ኸለው በታ ደጋፊት መንግስቲ የመን ዝኾነት ስዑድያ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ድማ ንናይ የመን ሃዋህው ዓብሊልዎ ይርከብ።

መዕርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ድሕሪ ምጅማር ወተሃደራዊ ምትእትታው ናይቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ኪዳን፡ ብደብዳብ ነፈርቲ ዓንዩ ንሰለስተ ዓመታት ኣገልግሎት ኣቛሪጹ ይርከብ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2016 ኣብ ሃገረ ኩዌት ኣብ መንጐ ሑቲን መንግስቲ የመንን ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም፡ ኣብ ስምምዕ ምቅሊት ስልጣን ክበጽሕ ብዘይ ምኽኣሉ ድሕሪ ናይ 108 መዓልታት ዘተ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com