Thursday , April 25 2024
Lars Pehrson/SvD/TT

ምድማጽ ባይቶ ንሓድሽ መንግስቲ ተናዊሑ። 

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 4 ሰልፍታት ሽወደን ድሕሪ ብዙሕ ሕልኽላኻት ዝተበጽሐ መንግስቲ ከቕዉም ዘኽእል ናይ ሕድገት ስምምዕ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ሓድሽ ዕንቅፋት ኣጋጢምዎ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ተተ ጸጋማዊ ወይ ከኣ ቨንስተር ሰልፊ ሽወደን ድሕሪ እቲ ድሌታትና ኣይተ|ኻተተን ብምባል መንግስቲ ንምቛም ዝሕግዝ ድምጺ ኣብ ባይቶ ከምዘይህብ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባር እቲ መስርሕ ምቛም መንግስቲ ተዓናቒፉ፣ ምህላዉን ተሓቢሩ።

ነዚ ተኸቲሉ ኣቦ ወንበር ኣፈኛ ባይቶ፣ ህዝቢ ሽወደን በዚ መስርሕ ክስልችዎ ከምዝጀመረን ሰልፍታት ሓላፍነተን ብምርሳዕ ዘካይድኦ ዘሎዋ ናይ ምጥልላፍ ጠባይ ከምዘቖጥዖ፣ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።

ስለዝኾነ ነዚ ሓድሽ ሓድሽ ዕንቅፋትን ንምፍታሕ ዘኽእል ንስቴፋን ሎቨን፣ እቲ ንረቡዕ 16 ጥሪ ኣብ ባይቶ ሽወደን ተታሒዙ ዝነበረ ምድማጽ ንሓድሽ መንግስቲ፣ ብኽልተ ማዓልቲ ከናዉሖ ከምዝተገደደ ሓቢሩ ኣሎ።

ስጋብ ዝመጽእ ዘሎ ዓርቢ ስቴፋን ሎቨን ምስ ሰልፊ ቨንስተር ብምዝታይ ነቲ መኻልፍ ክፈትሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

እተን ኣብ ስምምዕ ዝበጽሓ ሰልፍታት ሰንተር፣ ሶሻል ደሞክራት፣ ሊበራላን፣ ሚልዮ መንግስቲ ከቑማ እንተኮይነን ልዕሊ ፍርቂ ድምጺ ናይ ሰልፊ ቨንስተር ክረኽባ ስለዘሎዎን ዘየላቡ ዘተን ሕድገትን ምስቲ ሰልፊ ኣብ ቅድመን ተገቲሩ ከምዘሎ ይንገር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com