Friday , March 29 2024

ምጉዕዓዝን ምክፍፋልን መድሃኒት ክታበት ኮሮና፡ እቲ ቀንዲ ብደሆ ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ

መድሃኒት ክታበት ኮሮና ናብ ሽወደን ምስ ኣተወ ፡ ናብ ኩለን ምምሕዳራት ዝካየድ መስርሕ ምጉዕዓዝን ምክፍፋልን፡ ሓላፍነት ናይ መጓዓዝያ ኩባንያታት ክኸውን ምዃኑን ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ መስርሕ፡ ከቢድን ዝተሓላለኸን በዳህን ክኸውን ከምዝኽእል ሓላፊ ማሕበር መከፋፈሊ መድሃኒት ሽወደን፡ ላርስ ሺናትዝ፡ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

እዘን ኩባንያታት፡ ካብቲ ዘጓዓዕዘኦ ዝነበራ መጠን ብዝሒ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ዝበዝሕን ኣብ ውሱን መጠን ሙቐት ተዓቂቡ፡ ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ሽወደን ክበጽሕ ዝግበኦ መድሃኒት ከጓዓዕዛ ስለ ዝኾና፡ ነቲ መስርሕ ብጣዕሚ በዳሂ ይገብሮ ክብል፡ ሺናትዝ፡ ወሲኹ ገሊጹ።

በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ሓላፍነት መድሃኒት ክታበት ኮሮና ተሰኪሙ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ግን መንነት ናይተን ኩባንያታት ከምዘይተፈልጠ ተሓቢሩ።                                    


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com