Friday , April 19 2024

ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሽወደን ምንባር ክቕጽሉ ዘፍቅድ ሕጊ ኣብ 2021 ክጸድቕ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ጒዳይ ምቕያር ስራሕ” ክኢላታት ሰብ ሞያ” ከምኡ”ውን” “ክኢላዊ ሽቕለት” ዘተኰረ ሕጊ ኣብ 2021 ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

እዚ ሕጊ ንሕቶ ፍቓድ መንበሪ ካብዚ ዘለዎ ኣጸቢቚ ከቃልሎ ምዃኑ ተገሚቱ’ሎ።

ክሳብ ሕጂ እዚ ሕጊ ኣብ መስርሕ እዩ ዘሎ።

እዚ ንሓድሽ መንግስቲ ክዉን ዝገበረ ርቡዓዊ ስምምዕ ሽወደናዊ ፍቓድ መንበሪ ብዝቐለለ ኣገባብ ከም ዝርከብ ብምግባር ምስ ኩንትራት ብዝዛመድ ድማ ጒዳይ ዜግነት ክረአ ከም ዝኽእል ኣሚቶም ኔሮም።

በዚ ሕጂ ዘሎ ኣሰራርሓ ፍቓድ ስራሕ ዝረኽቡ ሰባት ብናእሽቱ ጌጋታት ባዕላቶም ወይ ኣስራሕቶም ፍቓዶም ምስ ዘየናውሕዎ ካብ ሽወደን ከም ዝባረሩ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com