Saturday , April 20 2024

ሩስያ፡ ነቚጣታት ጉጅለ ዳዕሽ ትድብድብ

ነፈርቲ ኲናት ሩስያ፡ ኣብ ምድረበዳ ሶርያ ዝርከቡ ነቚጣታት ዳዕሽ እናተመላለሳ ዓሰርተታት ግዜ ምድብዳበን ተገሊጹ። ዕጡቓት ዳዕሽ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ድብያን ኣጥቂዕካ ምህዳምን ዝኣመሰሉ ስልቲታት ብምጥቃም ይቕልቀሉ ምህላዎም ድማ ቢቢሲ ትሕብር። ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ዝገብርዋ መጥቃዕቲ፡ ትሽዓተ ወተሃደራትን ሚሊሻን ቀቲሎም ኣለዉ። ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩን ኣብ ሶርያ ዝግበር ዘሎ ኲናት ዝከታተልን ትካል ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሰባት በቲ ዳዕሽ ዝቐበሮ ነታጒ ኣብ ከባቢ ምድረበዳ ኣልማያዲን ሞይቶም ኣለዉ። እዚ ሰሉስ ኣብ ዴይር ኣል ዙር ምብራቕ ዞባ ሓማ ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 10 ኣባላት ዳዕሽ ከም ዝሞቱ ተገሊጹ’ሎ። ሶርያ ቲቪ ዝተባህለ ናይ ተቓወምቲ ተሌቪዥን፡ ነፈርቲ ኲናት ሩስያ ኣብ ነቚጣታት ዳዕሽ መጥቃዕቲ የካይዳ ምህላወንን እኳ እንተገለጸ፡ ናይ መንግስቲ ሶርያ ተሌቪዥን ግን ብዛዕባ’ዚ፡ ዝሃቦ ርእይቶ የለን። ጉጅለ ዳዕሽ፡ ካብ ምዕራብ ሶርያ ክሳብ ምብራቕ ዒራቕ ን 88 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ መሬትን 8 ሚልዮን ህዝብ የመሓድር ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ጉጅለ ዳዕሽ፡ ዋላኳ ኣብ 2017 ኣብ ዝተገብረ ኲናት እንተተሳዕረ፡ ዛጊት 10 ሽሕ ዝኾኑ ሚሊሻ፡ ኣብ ምድረበዳታት ሶርያን ዒራቕን ከም ዝንቀሳቐሱ ወተሃደራዊ ክኢላታት ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com