Friday , March 29 2024

ሩስያ፡ ዲፕሎማሰኛታት ቼክ ሪፓብሊክ ሰጒጓ

ቼክ ሪፓብሊክ፡ 18 ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ክሰጒግ እየ ድሕሪ ምባላ፡ ሩስያ ከም ዓጸፋ 20 ዲፕሎማሰኛታት ቼክ ሪፓብሊክ ክትሰጒግ ምዃና ሎሚ ኣፍሊጣ።

እዞም ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ሰለይቲ እዮም ተባሂሎም ከም ዝጥርጠሩን፡ ኣብ 2014 ኣብ መኻዚኖ ኣጽዋር ብምፍንጃር ክልተ ሰባት ዝቐተለ ናይ ቦምብ ሓደጋ፡ ኢድ ኔርዎም ክትብል ቼክ ሪፓብሊክ ኣፍሊጣ። ኣብ 2018 ኣብ ብሪጣንያ ናይ ምምራዝ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብዝብል እተጠርጠሩ ክልተ ሩስያውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም እውን ተመልኪቱ።

ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ኣውሮጳ፡ ብዛዕባዚ ጒዳይ ክዝትዩ ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ። ሞስኮ፡ ንዲፕሎማሰኛታት ቼክ፡ ካብ ሃገራ ክወጹ ናይ 24 ሰዓታት ግዜ ክትህቦም እንከላ፡ ቼክ ሪፓብሊክ ብወገና፡ ነቶም ናይ ሩስያ ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክሰናበቱ ሓቲታ’ላ ተባሂሉ።

ሩስያ፡ ንተግባራት ቼክ ሪፓብሊክ ኣመልኪታ፡ ዘይንቡርን ተጻባኢን ስጒምቲ ክትብል ገሊጻቶ’ላ። ቼክ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተጻዕነ እገዳ ምኽንያት ብምግባር ንኣመሪካ ንምሕጓስ እያ ነዚ ስጒምቲ ወሲዳ ዘላ። ጐይተቶም ንምሕጓስ ካብ ንቡር መስመር እውን ጥሒሶም ኣለዉ ክብል፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com