Tuesday , April 16 2024

ሩስያ ሓሙሽተ ሽወደናውያን ዲፕሎማሰኛታት ክትሰጒግ ምዃና ገሊጻ።

ሩስያ ሓሙሽተ ሽወደናውያን ዲፕሎማሰኛታት ክትሰጒግ ምዃና ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሓቢሩ። ሰብመዚ ሩስያ ኣብ
ዝሃብዎ ሓበሬታ፥ ኣብ ከተማ ሴይንት ፒተስበርግ ዝርከብ ቆንስል ሽወደን ካብ ዝመጽእ መስከረም ኣትሒዙ ክዕጾ እዩ። ሽወደን ኣብ
ዝሓለፈ ወርሒ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ምስጓጓ “ተጻባኢ” ስጒምቲ ምንባሩ ሩስያ ገሊጻ’ላ። እዚ ምስጓጒ ዲፕሎማሰኛታት ሽወደን
ከም ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሽወደን እተፈጸመ ምስጓጒ ሓሙሽተ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ይካየድ ምህላዉ፥
ዝምድና ሩስያን ሽወደንን ከኣ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ይርከብ ምህላዉ “ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ” ሩስያ ገሊጹ’ሎ።
ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ሩስያ ማሌና ሞድ፡ ናብ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ ተጸዊዓ ብዛዕባዚ ኲነታት መብርሂ ተዋሂብዋ’ሎ።
ሩስያ ዝወሰደቶ ስጒምቲ ዘሕዝን ምዃኑ፡ ኣብታ ሃገር ብዝዕባ ዝምዕብል ዘሎ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ናህሪን ኣህጒራዊ ተነጽሎ ሩስያን
ዘመልክት እዩ ክብል፥ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ትቢያስ ቢልስትሮም ንኣገልግሎት ዜና ቲቲ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com