Friday , April 19 2024
Sergei Grits/AP/TT

ሩስያ መጠነ-ሰፊሕ ልምምድ ስርሒት ኲናት ተካይድ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል መጽናዕቲ ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን፡ ሩስያ ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚራ ጽዑቕን መጠነ-ሰፊሕን ልምምድ ስርሒት ኲናት ተካይድ ምህላዋ ተፈሊጡ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እዞም ታዕሊማት ሸቶኦም ካብ ናእሽቱ ግርጭታት ናብ ዓበይቲ ኲናት ቀዪሮም እዮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ።

ዳይረክተር ትካል ምርምር ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን Johann Norberg ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ሩስያ ኣንጻር ቻይና ወይ ኔቶ ኲናት ንምግጣም ዘኽእላ ዞባዊ ኲናት ንምክያድ እያ ታዕሊም ትገብር ዘላ” ኢሉ።

ሩስያ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ወተሃደራዊ ታዕሊም ተካይድ እያ። እዚ ካልእ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ እውን ዘሳትፍ ኮይኑ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ብኸመይ ተሳንዮም ሓገዝ የበርክቱ ዝብል ሓሳብ ዘጠቓልል እዩ።

“ሩስያ ብደረጃ መሪሕነት ስትራተጂካዊ ተሳትፎ ክትገብር ዝጸንሐት ሃገር እያ” ይብል Norberg። “እቲ እዝዩ ኣገዳሲ ዝገብሮ እዞም ታዕሊማት ካብ 2013 ጀሚሮም ሓይልታት ምክልኻል ናይዚ ጎደቦ ከሳትፉ ምጽንሖም እዩ” ኢሉ።

ትካል ምርምር ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ጸብጻቡ ካብ 2009 ክሳብ 2017 ኣብ ዝተዳለዉ ሰነዳት ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ተመርኲሱ እዩ ኣዳልዩዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com