Friday , April 19 2024
Science Photo Library/TT

ርክብ ኣእምሮን ኣካልን ብመንጽር ጥዕና ብበሪሁሉ ብኣማን

ኣካላትና ብትእዛዛት ኣእምሮና’ዩ ዕማማቱ ዘሰላስል፣ ስለዚ ድማ ምምዝባል ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ኣካላትና ርኡይ ለውጥታት የስዕብ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ደቂሱ እንከሎ ኣብ ኣእምሮኡ ብዝስእሎ ሕልማዊ ራዕዲ ምስ ዝብህርር፡ ህርመት ልቡ ክዛይድ፡ ነብሱ ፈርፈር ክብልን ኣካላቱ ክርህጽን ምርኣይ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኣእምሮና ዝረአ ለውጢ ኣብ ኣካላትና ዘኸትሎ ለውጢ እዩ።

ምትእስሳር ኣእምሮን ኣካልን ብመንጽር ጥዕናዊ ጸገማት ዝረኣየሉ ምኽንያት፡ ካብ ኣእምሮ ዝምንጩ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ዝፈጥሮ ሕማም፡ ብመልክዕ ምልክታት ጉድለት ጥዕና ኣብ ኣካላትና ስለዝንጸባረቕ እዩ። ኣእምሮን ኣካልን ነንበይኖም ዘይኮነ ንሓድሕዶም ጥቡቕ ምትእስሳር ሃልዪዎም’ዮም ዝዓዩ። ሰባት ብውሁድ ንጥፈታት ኣካልን ኣእምሮን ዝቖሙ እዮም።

ኣእምሮና ግን እንታይ ምስ ኮነ’ዩ ጠንቂ ጉድለት ጥዕና ኣካላት ክኸዉን ዝኽእል?

ኣእምሮና ብኣጉል እምነታትን ኣመለኻኻታን እንተመሊእናዮ ተመሊሱ እሱራት ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝኸዘንናዮ እምነት ይገብረና። ጉጉይ ባህላዊ ሰረተ-እምነትን ስርዓተ-ኣምልኾን ከምኡ’ውን ኣብ ኣእምሮና እንቓንዮም ርድኢታት … ገለ ካብቶም ደረት ኣተሓሳስባና ኣጽቢቦም ግዳይ ጸቢብን ኣሉታውን ኣመለኻኽታ ዝገብሩና ረቛሒታት እዮም።

ብዛዕባ ምትእስሳር ኣእምሮን ኣካልን ከነጽር ዝኽእል ሓደ ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ንኣብነት ኣብ ህይወትካ ኣዚኻ ዝሰካሕካሉን፡ እናኽትዝክሮ ድማ ኣዝዩ ዘርዕደካን ኣጋጣሚ ከም ሓደ ኣብነት ናይቲ ሕማቕ ስእሊ-ኣእምሮ ኣብ ኣካላት ዝፈጥሮ ጽልዋን ከም ሳዕቤኑ ዘውርዶ ጥዕናዊ ጸገማትን ክውሰድ ይከኣል።

እዚ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኣእምሮና ብግዜ፡ ብቦታን ኩነታትን ዝተሰነደን ብዕምቆት ዘጣጥሐን ምስ ዝኸውን፡ ነቲ ቦታ፡ ግዜን ኩነታትን ዘዘኻኽር ኣጋጣሚ ምስ ዝኽሰት ኣዝዩ ዘናውጽ ስእልታት እናመጸ ንኣእምሮና ይርብሾ። ምርባሽ ኣእምሮ ከኣ ብመልክዕ ዘይንቡር ኩነታት ኣብ ኣካላትና ይንጸባረቕ።

ኣሉታዊ ስምዒታትን ርድኢታትን ኣብ ኣካላትና ሓደገኛ ሳዕቤን ከም ዘኸትሉ ተመራመርቲ ዓውዲ ሕክምና ንውጽኢት ዘካየድዎ ምርምራት ምርኩስ ብምግባር ይገልጹ። ብመሰረት ሓበሬታኦም፡ ስምዒታትና ኣብ ኣእምሮና ዝፈጥሮ ናይ ፍርሒ፡ ሓዘን፡ ነዉጺ…. ምስልታት ነዝዒ ናይ ጸቕጢ ሆርሞናት የኸትል፣ እዚ ነዝዒ’ዚ ንነዊሕ ምስ ዝቕጽል ድማ ናብ ሕማም ገጹ ይምዕብል።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ዓውዲ ሕክምና፡ ብዛዕባ ምትእስሳር ኣእምሮን ኣካልን ብመጽናዕቲ ካብ ዝተጠርየ ልዑል ፍልጠት ብምብጋስ፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ብሓሳባዊ ሕማም ዝሳቐዩ ሰባት ምስ ዘጋጥምዎም ነቶም ሰባት ንምፍዋስ ዝጥቀሙሉ ሜላ ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ኣካላቶም ጎድናዊ ሳዕቤን ዘየምጽኣሎም ኣፋውስ ብምሃብ ኣእምሮኣዊ ሩፍታ ረኺቦም ካብ ሕማሞም ነጻ ከም ዝኾኑ ምግባር እዩ። ብፍላይ ድማ እቶም ሰባት ኣብቶም ሰብ ሞያ ሕክምናን ዝህብዎም ኣፋውስን ልዑል እምነት ምስ ዘሕድሩ ገና ኣብ መስርሕ ሕክምናዊ ረድኤት እንከለው ካብ ሕማሞም ይፍወሱ።

ንነብስና ካብቲ ኣተሓሳስባና ዘመንጭዎ ጥዕናዊ ጸገማት ሓራ ክንገብራ እንተዄንና ፈለማ ንሕና ውጽኢት ኣተሓሳስባና ምዃንና ክንኣምን ይግባእ። ኣተሓሳስባና ኣሉታ እንተኾይኑ ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ተመሊእና ንነገራት ብኣሉታዊ ሸነኾም ጥራይ ስለእንጥምቶም ንኣእምሮና ግዳይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ብምግባር ጥዕና ነስእኖ፣ ጥዕና ዝሰኣነ ኣእምሮ ከኣ ርኡይ ጥዕናዊ ጸገማት ይወልድ።

ስለዚ እቲ ካብ ውሽጢ ኣእምሮና እነመንጭዎ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ተመሊሱ ንጥዕናዊ ጸገማት ኣሕሊፉ ዝህበና ካብ ኮነ እምበኣር መኣዝን ኣተሓሳስባናን ርድኢትናን ናብ ኣወንታ አአንፊትና ናይ ጥዕና ውሕስነት ንምርካብ ንጽዓር!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com