Thursday , April 25 2024
Light candles at the scene where three teenagers were killed in a car accident on Sunday, at Hultafors outside Borås. Foto: Adam Ihse/TT/ Kod 9200

ሰለስተ ሰባት ኣብ ሓንቲ ሓደጋ ይሞቱ

ሰንበት ምሸት ሰለስተ መንእሰያት ማኪናኦም ካብ መገዲ ወጺኣ ምስ ነደደት ሞይቶም። እዚ ዝኾነሉ ድማ ኣብ ሁልታፎሽ ኣብ ቦለቢግድ ምምሕዳር ከተማ ኢዩ።

ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ ጌና ኣይተጻረየን።

ናይቶም መንእሰያት መንነት ጌና ኣይተፈልጠን፡ ግን ብመሰረት ፖሊስ፡ ካብ ሹሀራድ ከባቢ ኢዮም። ሓደ ካብኦም ብ2002 እተወልደ ኪኸውን ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ብ 2005 እተወልዱ ኢዮም።  

እቶም መርመርቲ ናይቶም ግዳያት መንነት ስለ ዝፈለጡ ንስድራኦም ከርድኡዎም ኢዮም። 

ይኹንምበር፡ ኣረጋጊጽካ ንምዝራብ ቅሩብ ግዜ ኪወስድ ኢዩ። 

እቲ ሓደጋ ሰዓት 5፡30 ኢዩ ተፈጺሙ። ናይቲ ሓደጋ ምኽንያት ልዑል ፍጥነት ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። 

እታ ማኪና ኣብ ኢድ ፖሊስ ኣትያ ትምርመር ኣላ።

በዚ ዘሕዝን ሓደጋ’ዚ እታ ኣብ ቦሊቢግድ እትርከብ ናይ ሽወደን ቤትክርስትያን ኣገልግሎታ ወፍያ ኣላ፡ ሰራሕተኛታታ ድማ ኣብቲ ናይቲ ሓደጋ ቦታ ብምኻድ ምስ ሰባት ኪራኸቡ ኢዮም። 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com