Thursday , April 18 2024
ዳኒኤል ስቴንሊንግ ሓላፊ ክፍሊ ጸረ ስለያ ኣብ ሴፖ 2017. Credit: Christine Olsson / TT

ሰላይ ሩስያ ዝተባህለ ሰብ ተኣሲሩ።

ወኪል ስለያ ሽወደን ንስለያ ብሩስያ ተላኢኩ ኢሉ ንዝጠርጠሮ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእቱ።

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ንስለያ ቴክኖሎጂ ኢንዱስትሪ ብሩስያ ተላኢኩ ኢሉ ንዝጠርጠሮ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ።

ኣብ ንጥፈት ጸረ ስለያ ዝዋፈር እዚ ወኪል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ እዚ ስርሒት መዛዘሚ ናያ ሓያሎ ዓመታት ስራሕ እዩ ኢሉ።

ዛጊት ዕድመ ጾታን ካልኦት ውልቃዊ ዝርዝራትን እዚ ክሱስ ንህዝቢ ኣይተቓልዑን ኣለዉ።

እዚ ክሱስ ስለያዊ ንጥፈታቱ ካብ መወዳእታ 2017 ከም ዝጀመሮ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ትማል ሰሉስ ከኣ እዩ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ብሓገዝ ፖሊስ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ውዒሉ።

ሓላፊ ጸረ-ስለያ ሽወደን Daniel Stenling ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ሰላይ ብወኪል ስለያ ሩስያ ከም እተላእከን ኣብ ሽወደን ብሽፋን ዲፕሎማስያዊ ተልእኾን ወረቐት መንነትን ክንቀሳቐስ ምጽንሑ ኣብሪሁ።

እዚ ጥርጡር ሰላይ ኣብ ሃይቴክ ኢንዱስትሪ ሽወደን ክስሊ እዩ ተዋፊሩ ጸኒሑ ይብል ጸብጻብ ወኪል ስለያ ሽወደን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com